19 እሺ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዚዝኩምንን ግና፥ በረኸት ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ንዅሎም ህዝብታት ብብሉፅ ወይንን ኣንጕዕ ብዝመልአ ስቡሕ ስጋን ብብርቱዕ ፅሩይ ወይንን ዓብዪ ምሳሕ ክገብር እዩ።
ፍረ ስራሖም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ንፃድቕ ሰናይ ክኾነልካ እዩ በልዎ።
ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለካ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደዪበካ እየ፤ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዐካ እየ።”
ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክበልዑ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትጠምዩ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክሰትዩ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትፀምኡ ኢኹም፤ እንሆ፥ ባሮተይ ክሕጐሱ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትሓፍሩ ኢኹም።
ሽዑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኽትብሎም ኢኻ፦ “እንሆ፥ ኣብ ቅድሜኹም መንገዲ ህይወትን መንገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ።
እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣፀብቑ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ከንብረኩም እየ።
“ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥
ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃብክዎም ምድሪ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።
ብዙሕ መብልዕ ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ክተመስግንዎ ኢኹም፤ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን።
እታ ምድሪ ኸዓ ፍረኣ ትህብ እሞ፥ በሊዕኹም ትፀግቡ፤ ኣብኣ እውን ብደሓን ትነብሩ።
ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥
መኼዳኹም ክሳዕ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ይፀንሕ፤ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ኸዓ ኽሳዕ ዘርኢ ይፀንሕ፤ እንጀራኹም በሊዕኹም ክትፀግቡ፥ ኣብ ምድሪኹም ከዓ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም።
ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ዝተመለሱ ህዝቢ ዅላቶምን፥ ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነቢይ ሓጌን ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሑ።
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተኣዚዝኩምዎ፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱ ኸዓ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሊኹምዎ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ልዕል ከብለኩም እዩ።
ስራሑ ምስ ፈፀመ ድማ፥ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም።