18 “እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኽልቴና ዘንብር ዳኛ፥ ኣበይሞ ኣብ መንጎና ኸም ተረኽበ።
ብስምዕዛ ንፀገኒ ኽነፅህ ድማ እየ፤ ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ።
ካብ ሓጢኣተይ ገፅካ መልስ፤ ንዅሉ በደለይውን ደምስሰለይ።
ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።
እግዚኣብሄር ንፍርዲ ተልዒሉ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቡውን ክፈርድ ቆይሙ ኣሎ።
“ኣቱም ደሴታት፥ ኣብ ቅድመይ ስቕ በሉ፤ ኣህዛብ ከዓ ሓይሎም ይሓድሱ፤ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፤ ንዑ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።”
“ክስኹም ኣቕርቡ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ መርትዖኹም ከዓ ኣምፅኡ፤ ይብል እቲ ናይ ያእቆብ ንጉስ።
ንገበንካ ኸም ደመና፥ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣወጊደዮ እየ። ተቤዚወካ እየሞ፥ ናባይ ተመለስ።”
እቲ ዘፅድቐኒ ኣብ ቀረባ እዩ፤ መን እዩ ዝሟገተኒ? ብሓደ ንቑም፤ መንከ እዩ ተፃራርየይ? ናባይ ይቕረብ። መንከ እዩ ተፃራርየይ? ጭብጡ ሒዙ ይቕረብ።
ክፉእ ሰብ መንገዱ፥ በደለኛውን ሓሳቡ ይሕደግ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለስ፤ ንሱ ኸዓ ምሕረት ክገብረሉ እዩ፤ ናብ ኣምላኽና ይመለስ፤ ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ።
“ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሓቑ፥ ከንቱ ንዝኾኑ ዝተኸተሉ፥ ንርእሶምውን ከንቱ ኾይኖም ዝተረፉ፥ እንታይ ጥፍኣት ረኺቦሙለይ እዮም?” ይብል እግዚኣብሄር።
ግናኸ እቲ ሓጥእ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ከንብራ እዩ።
እቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይዝከረሉን፤ ፍትሕን ቅንዕናን ገይሩ እዩ እሞ፥ ርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ።
እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፤ ምስ እስራኤልውን ሙግት ኣለዎ እሞ፥ ኣቱም እምባታት፥ ንስኻትኩምውን ኣቱም ፅኑዓት መሰረት ምድሪ፥ ክርክር እግዚኣብሄር ስምዑ።
ጳውሎስ ከምቲ ልማዱ ናብኣቶም ኣትዩ፥ ሰለስተ ሰንበት ካብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ እናጠቐሰ፥ ከረድኦም ቀነየ።
ሰንበት ሰንበት፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸ ድማ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን የረድኦም ነበረ።
ብዛዕባ ፅድቅን፥ ንባዕልኻ ምግታእን፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ፍርድን፥ ምስ ነገሮም ፊልክስ ፈሪሑ፥ “ሕዚ ኺድ፤ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመፅእ ክልእኸልካ እየ” በሎ።
ሓጢኣት ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ።
ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።
እምበኣር ሕዝስ ብዛዕባ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ፅድቂ ግብርታቱ፤ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምስ ኣብዙይ ደው በሉ።