12 ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ናባይ ክትመፁ፥ ቅፅሪ ቤተ መቕደሰይ ክትረግፁኸ መን ደለየኩም?
መስዋእትን ቍርባንን ኣይፈተኻን፤ ስጋ ኣዳለኻለይ፤ ዝቃፀልን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይትደልን ኢኻ።
“ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ፥ ኣባይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረአ።
“ኵሉ ተባዕታይኩም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ይረአ።
ናብ ቤት እግዚኣብሄር እንትትኣቱ እግርኻ ሓሉ፤ ክፉእ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮምሞ ኻብ መስዋእቲ ሰነፋት፥ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሐይሽ።
እዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት፥ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉትዶ ኾይና እያ? እንሆ፥ ኣነ ባዕለይ ሪአዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን?
“ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ?
ኵሉ ዝገብርዎ፥ ሰብ ክሪአልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ።
“ዝኾነ ሰብኣይ፥ ሰለስተ ሻዕ ኣብ ዓመት፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ብምኻድ ኣብ ቅድሚኡ ይረአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ጥራሕ ኢዶም ኣይረአዩ።