11 “ብዝሒ መስዋእትኹም ንኣይ እንታይ ይጠቕመኒ?” ይብል እግዚኣብሄር። “ዘቕረብኩምለይ ዝቃፀል መስዋእቲ ዲበላታትን፥ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሒ ዝራብዕን ፀጊበ ኣለኹ። ደም ዝራብዓት ኮነ ደም ማጓሉ ወይ ደም ዲበላታት ኣየሕጕሰንን እዩ።
መስዋእትን ቍርባንን ኣይፈተኻን፤ ስጋ ኣዳለኻለይ፤ ዝቃፀልን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይትደልን ኢኻ።
ስለ መስዋእትኻ ዝዘልፈካ ኣይኮንኩን፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእትኻ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ።
መስዋእቲ እንተ እትፈቱስ መቕረብኩልካ ነይረ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣየሐጕሰካን እዩ።
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ፀሎት ቅኑዓት ግና ብኡኡ ዝተፈተወ እዩ።
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣፀያፊ እዩ፤ ምናዳ ብኽፉእ ሓሳብ እንተቕርብዎ ኣፀያፊ እዩ።
እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ፥ ፅድቅን ቅንዕናን ምግባር ይፈቱ።
በብመዓልቲ ግና ንኣይ ይደልዩ፤ መንገድታተይ ክፈልጡ ድማ ይፈትዉ፤ ከምቲ ፅድቂ ዝገብርን፥ ሕግጋት ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝቢ፥ ቅኑዕ ፍርዲ ይልምኑኒ፤ ናብ እግዚኣብሄር ክቐርቡውን ይደልዩ።”
“ግና እቲ ብዕራይ ዝስውአለይ፥ ሰብ ከም ዝቐተለ እዩ፤ ጡቦት በጊዕ ዝስውአለይ፥ ክሳድ ከልቢ ኸም ዝሰብር እዩ፤ እቲ ቍርባን እኽሊ ዘቕርበለይ፥ ደም ሓሰማ ኸም ዘቕርበለይ እዩ፤ እቲ ዕጣን ዝዓጥነለይ፥ ንጣዖት ከም ዘመስግን እዩ። እዚኣቶም መንገዲ ርእሶም ሓረዩ፤ ነፍሶም ድማ ብርኽሰቶም ደስ ይብላ።
ስለ ምንታይ ዕጣን ካብ ሳባ፥ ምዑዝ ቃንጫ ድማ ኻብ ርሑቕ ሃገር እተቕርቡለይ? ዝቃፀል መስዋእትኹም ደስ ኣየብለንን እዩ፤ እቲ ኻልእ መስዋእትኹምውን ኣየብህገንን እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ ኻልእ መስዋእትኹም ወስኽዎ እሞ፥ ነቲ ስጋኡውን ብልዑ።
ካብ መስዋእቲ ምሕረት፥ ካብ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ እፈቱ እየ።
መስዋእተይ የቕርቡ፤ ስጋ ኸዓ ይሓርዱ፤ ይበልዑውን፤ እግዚኣብሄር ግና ኣይቕበሎምን፤ ንበደሎም ክዝክሮ፥ ንሓጢኣቶም ድማ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሳቶምውን ናብ ግብፂ ኽምለሱ እዮም።
መባኵዕቲ ዘለዎ መስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኣቕርቡ። ብፍቓድኩም ንተቕርብዎ ውህብቶ ኣውጁን ኣውርዩን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
“ነቲ ዓመት በዓላትኩም ፀሊአዮ፥ ተፀይፈዮውን፤ እቲ ኣኼባኹምውን ደስ ኣየብለንን።
ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ እኽልኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፥ ኣይቕበሎን እየ፤ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን፥ ቈላሕ ኣይብሎን እየ።
ብኣሽሓት ማጓሉን ብኣእላፋት ወሓይዝ ዘይትንዶ እግዚኣብሄር ደስ ይብሎ እዩ? ኽንዲ በደለይ በዅሪ ወደይ፥ ክንዲ ሓጢኣተይ ከዓ ፍረ ኸርሰይዶ ኽህብ እየ?
ሽዑ ሓጌ “እዝ ህዝብን እዝ ወገን እዙይን ኣብ ቅድመይ ከምኡ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኵሉ ስራሕ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፤ እቲ ንኣይ ኣብኡ ዘቕርቡለይውን ርኹስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
“ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ?
“ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱ፥ ሓደ ኻባኻትኩም በርታት ዝዓፁ እንተ ዝርከብ! ኣነ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን፤ ካብ ኢድኩምውን ዝኾነ ዓይነት ቍርባን ኣይቅበልን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት ‘እንሆ ድግሰይ ኣዳልየ ኣለኹ፤ ስቡሓት ዝራብዓተይን ኣብዑረይን ሓሪደ፥ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፥ ናብቲ መርዓ ንዑ በልዎም’ ኢሉ ንኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ።
‘ምሕረት ደኣ እምበር፥ መስዋእቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ’ ዝብል እንታይ ምዃኑ ኺዱ መርሚርኩም ፍለጡ። ኣነ ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ኽፅውዕ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።
ሳሙኤል ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ንእግዚኣብሄርስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን፥ ከም ምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ? እንሆ፥ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፥ ቃሉ ምስማዕውን ስብሒ ማጓሉ ኻብ ምቕራብ ይበልፅ።