3 ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም።
ሽዑ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ኻብ ቅድሚ ገፀይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መተረትን ክትከውን እያ።
ንሆሴዕ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፤ ንእስራኤል ድማ ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ሓላሕ፤ ኣብ ሓቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያን ከዓ ኣቐመጦም።
ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።”
“ኣነ ድማ ፍሪኣን ሃብታን ምእንቲ ኽትበልዑ፥ ናብ ፈራዪት ምድሪ ኣእተኹኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥ ንምድረይ ኣርከስክምዋ፤ ንርስተይውን ኣርከስኩምዋ።”
እንጀራ ምእንቲ ኽንፀግብ፥ ንግብፅን ኣሶርን ኢድና ሃብና።
እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣነ ናብኣቶም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኮይኖም፥ ከምኡ ርኹስ እንጀራኦም ክበልዑ እዮም” በለ።
ዳንኤል ግና፥ በቲ ምግቢ ንጉስን፥ በቲ ዝሰትዮ ወይንን ከይረክስ፥ ብልቡ ሓሰበ፤ ከይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።
ካብ ግብፂ ኸም ዒፍ፥ ካብ ምድሪ ኣሶር ድማ፥ ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ኽመፁ እዮም፤ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ናባይ ክምለሱ ግና ኣይፈተዉን እሞ፥ ናብ ምድሪ ግብፂ ኽምለሱ እዮም፤ ኣሶርውን ንጉሶም ክኸውን እዩ፤
ኤፍሬም ልቢ ኸም ዘይብላ የዋህ ርግቢ እዩ፤ ንግብፂ ይፅውዑ፤ ናብ ኣሶር ድማ ይኸዱ።
ናብ ከንቱ ነገር ተመለሱ፤ ግና ናብ ልዑል እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዕላማኡ ኸም ዝስሕት ጠዋይ ቀስቲ ኾኑ። መሳፍንቶም ካብ ቍጥዓ መልሓሶም ዝተልዓለ፥ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዙይ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብፂ መሳለቒ ክኾኖም እዩ።”
መስዋእተይ የቕርቡ፤ ስጋ ኸዓ ይሓርዱ፤ ይበልዑውን፤ እግዚኣብሄር ግና ኣይቕበሎምን፤ ንበደሎም ክዝክሮ፥ ንሓጢኣቶም ድማ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሳቶምውን ናብ ግብፂ ኽምለሱ እዮም።
እንሆ፥ ካብ ጥፍኣት ሃዲሞም ከዱ፤ ግብፂ ድማ ኽትእክቦም እያ፤ ሜምፎስውን ክትቀብሮም እያ። ነቲ ኽቡር ብሩሮም ኣምዐ ይወርሶ፤ ኣሜከላውን ኣብ ውሽጢ ድንኳናቶም ይበቍል።
ነታ ምድሪ እንተ ደኣ ኣርኪስኩምዋ፥ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ኸም ዝተፍአቶም፥ ንኣኻትኩምውን ክትተፍአኩም እያ።
እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍአኩምስ፥ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉን ፈፅሙን።
ምድሪ ናተይ እያ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፥ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅኻ፥ ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፤ ንስኻውን ኣብ ዝረኸሰት ሃገር ክትመውት ኢኻ። እስራኤልውን ብርግፅ ካብ ሃገሩ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።”
ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት፥ ኣብዝ ስፍራዙይ ዕረፍቲ የብልኩምንሞ ተስኡ ኺዱ።
ጴጥሮስ ግና፥ “ጐይታ፥ ኣይኸውንን፤ ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈፂመ በሊዐ ኣይፈልጥን” በለ።
እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ከሀብትመኩምን ከብዝሐኩምን ብኣኻትኹም ደስ ዝበሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብምጥፋእኹምን ፋሕ ብምባልኩምን ደስ ክብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ክትንቀሉ ኢኹም።
በታ፥ ‘ደጊም መሊስኩም ኣይትሪእዋን ኢኹም’ ዝበልኩኹም መንገዲ፥ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብፂ ኽመልሰኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ክትኮኑ፥ ንባዕልኻትኩም ናብቶም ፀላእትኹም ክትሸጡ ትደልዩ፥ ዝዕድገኩም ግና ኣይርከብን።”
ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም።
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ ዝተናገሮ ዅሉ ፅቡቕ ነገር ከም ዝፍፀም ዝገበረ፥ ከምኡ ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘጠንቀቐኩም ክፉእ ነገር ከም ዝፍፀም ክገብር እዩ።