5 “ኦ ሰማርያ ምራኽ ጣዖትኪ ደርብዪ፤ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ነዲዱ እዩ፤ ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘይነፅሁ?
“ሕዚ ኸዓ ነታ ንደቂ ዳዊት ዝሃባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኽትቃወምዋ ትሓስቡ ኣለኹም። ብርግፅ ንስኻትኩም ዓብዪ ህዝቢ ኢኹም፤ እቶም ኢዮርብዓም ኣማልኽትኹም ክኾኑ ብወርቂ ዝሰርሖም ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ።
ናይ ድፍረት ሓጢኣት ከይገዝአኒ ንኣይ ንባርያኻ ሓልወኒ፤ ሽዑ ፍፁም ክኸውን እየ፤ ካብቲ ዓብዪ ሓጢኣትውን ክነፅህ እየ።
“ኣቱም ዓያሹ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ዕሽነት እትፈትዉ? መላገፅቲኸ ክሳዕ መኣዝ እዩ ላግፂ? ሰነፋትከ ኽሳዕ መኣዝ እዮም ፍልጠት ዝፀልኡ?”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤ እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥ ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥ ኣእምሮ የብሎምን።
ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ሜዳታትን፥ ፅዩፍ ተግባርክን ምንዝርናኽን ሰሓቕክን ሪአ ኣለኹ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ርኽሰትኪ እትነፅሂ መኣዝ እዩ?
ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕፀቢ። ክሳዕ መኣዝ ኢዩኸ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ውሽጥኺ ዝነብር?
ሽዑ ኸምቲ ህዝቢ እስራኤል፥ ይእመንዎ ብዝነበሩ ቤቴል ከም ዝሓፈሩ፥ ሞኣባውያን ከዓ ኸምኡ ብካሞሽ ክሓፍሩ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም።
እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም።
ሕዚ እውን ሓጢኣት ክሰርሑ ወሰኹ፤ ብብሩሮም መኺኹ ዝተሰርሐ ምስሊ ኸም ጥበቦም ጣዖታት ሰሪሖም እዮም፤ ኵሎም ከዓ ስራሕ ኢድ ሰብ እዮም። ብዛዕባኣቶም ድማ “እቶም ዝስውኡ ሰባት፥ ነቲ ጣዖት ብተይ ይሳለምዎ” ይብሉ።
እዙይ ከዓ ኻብ እስራኤል እዩ፤ እዝ በዓል ኢድ ዝሰርሖ ምስሊ ምራኽ፥ ኣምላኽ ኣይኮነን፤ ተሰባቢሩ ኽደቅቕ እዩ።
እቶም ‘ኣታ ዳን ኣምላኽካ ህያው እዩ’ ወይ ‘መንገዲ ቤርሳቤህ ህያው እዩ’ እናበሉ ብሓጢኣት ሰማርያ ዝምሕሉ ኽወድቁ እዮም፤ መሊሶምውን ኣይትስኡን እዮም።”
እቲ ቕሩፅ ምስልታታ ክሰባበር እዩ። እቲ ዅሉ ዋጋ ምንዝርናኣውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፥ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ክኾኑ እዮም እሞ፥ ኣነ ንዅላቶም ጣዖታታ ኽሰባብሮም እየ።”
በቲ ቕነ እቱይ፥ ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ኣቖሙ፤ መስዋእቲ ድማ ሰውኡሉ፤ ብስራሕ ኣእዳዎምውን ደስ በሎም።
ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥ ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤ ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤ መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”