12 ነዝ ሕገይ ፀሓፍኩሎም፤ ንሳቶም ግና ኸም ባዕዲ ነገር ቈፀርዎ።
“ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ።
ኣዒንተይ ክፈተለይ፤ ካብ ሕግኻውን ተኣምራትካ ኽርኢ እየ።
ንስኻስ ተግሳፀይ ፀላእኻ፤ ንቓላተይውን ንድሕሬኻ ደርበኻዮ።
ንዝጥይቑኻውን ቃል ሓቂ፥ ምምላስ ምእንቲ ኽትክእል ብምኽርን ብፍልጠትን፥ ዝኸበረ ነገርዶ ኣይፀሓፍኩልካን?
ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ።
ሕግጋተይ ሃብክዎም፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ፍርደይ ከዓ ኣፍለጥክዎም።
ህዝበይ ፍልጠት ካብ ምስኣኑ ዝተልዓለ ይጠፍእ ኣሎ። ንስኻትኩም ፍልጠት ስለዝነዓቕኩም ኣነውን ካህናት ከይትኾኑኒ ነዓቕኩኹም። ሕጊ ኣምላኽኩም ስለዝረሳዕኹም፥ ኣነውን ንደቅኹም ክርስዖም እየ።
ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ?
እምበኣር እቲ ሕጊ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ትእዛዝውን፥ ቅዱስን ፃድቅን ሰናይን እዩ።