Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ሆሴዕ 8:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 መለኸት ናብ ኣፍካ ኣቕርብ፤ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፥ ሕገይ ከዓ ጥሒሶም እዮምሞ፥ ከም ንስሪ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ሆሴዕ 8:1
34 Referencias Cruzadas  

ራፋስቂስ ግና “ንጉስ፥ እዝ ነገር እዙይ ክናገር ናባኻን ናብ ጐይታኻንዶ ልኢኹኒ እዩ? ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፥ ምሳኻትኩም ኵስሖም ክበልዑን ሽንቶም ክሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኮነን?” በሎም።


ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘለኹም ኵልኻትኩምውን፥ ምልክት ኣብ እምባታት ልዕል ምስ በለ፥ ተመልከቱ፤ መለኸት እንትንፋሕውን ኣድምፁ።


ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤


“ብሓይሊ ዓው በል፤ ኣይትቘጥብ፤ ድምፅኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፤ ንህዝበይ በደሎም፥ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።


ከምቲ ኻብ ሃገር ግብፂ፥ ኣእዳዎም ሒዘ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይታኦም እንተለኹስ፥ ንሳቶም ነቲ ኪዳነይ ኣፍረስዎ፤ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ኣነ ነቶም ቃል ኪዳን ዝተሓላለፉ ሰባት፥ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸዓ ሓሊፎም፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ዘይሓለዉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ክልተ ዝመቐልዎ ምራኽ ክገብሮም እየ።


እንሆ ኸም ደመና ኾይኑ ይወፅእ ኣሎ፤ ሰረገላታቱ ኸም ኣውሎ ንፋስ እዮም፤ ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ ወይለና!


ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ ኢልኩም፥ ኣብ ይሁዳ ተናገሩ፥ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ኣውጁ፤ ዓው ኢልኩም ድማ፥ “ተኣከቡ እሞ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ” ኢልኩም ንገሩ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኸም ንስሪ ይነፍር፥ ኣብ ልዕሊ ሞኣብውን ኣኽናፉ ይዝርግሕ ኣሎ።


እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።”


“ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ፤ ኣህዛብ ኣዳልዉላ፤ ንመንግስታት ኣራራትን ሚኒን ኣስከናዝን ኣኽትቱላ፤ ኣሕሉቕ ሽሙላ፤ ፀጓራት ኣንበጣ ዝመስሉ ኣፍራስ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኣውፅኡ።


ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።


ስለዙይ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ” በለኒ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ ገዚፍ ዘኽናፉ፥ ነዊሕ ዝመንገብገቡ ዝንጕርጕር ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ናብ ሊባኖስ መፀ እሞ፥ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ፅሕዲ ወሰደ።


መለኸት ተነፍሐ፤ ኵሉ ኸዓ ተዳለወ፤ ቍጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ኣሎ እሞ፥ ናብ ውግእ ዝኸይድ ሓደ እኳ የለን።


ህዝበይ ፍልጠት ካብ ምስኣኑ ዝተልዓለ ይጠፍእ ኣሎ። ንስኻትኩም ፍልጠት ስለዝነዓቕኩም ኣነውን ካህናት ከይትኾኑኒ ነዓቕኩኹም። ሕጊ ኣምላኽኩም ስለዝረሳዕኹም፥ ኣነውን ንደቅኹም ክርስዖም እየ።


ኣብ ጊብዓ ቀርኒ፥ ኣብ ራማ ኸዓ መለኸት ንፍሑሞ፤ ካብ ቤትኣዌን “ኣታ ብንያም፥ ብድሕሬኻ” ኢልኩም ኣእውዩ።


“ንሳቶም ግና ኸም ኣዳም ቃል ኪዳን ኣፍረሱ፤ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ጠለሙኒ።


ኣብ ጌልገላ ኻብ ዝገበርዎ ኽፍኣት ዝተልዓለ፥ ኣነ ኣብኡ ፀላእኹዎም። ስለ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣትውን፥ ካብ ቤተይ ከሳጕጎም እየ። ድሕሪ ደጊም ኣየፍቅሮምን እየ፤ ኵሎም ኣሕሉቖም ዓመፀኛታት እዮም።


መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤ ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥ ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።


ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ቅዱስ ፆም ኣውጁ፤ ዝተቐደሰ ጉባኤውን ፀውዑ።


መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?


“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝማሬ ቤተ መቕደስ፥ ናብ ብኽያት ክልወጥ እዩ፤ ሬሳታት ሰብ ክበዝሕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸዓ፥ ብስቕታ ኽድርበዩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።


ንጐይታ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ረአኽዎ። ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እቲ ልዳውቲ ኽሳዕ ዝነቓነቕ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፤ ተሰባቢሩ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ህዝቢ ይውደቕ። ኣነ ኸዓ ነቶም ካብኣቶም ዝተረፉ፥ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ። ካብኣቶምስ ሓደ እኳ ኣየምልጥን፤ ዘምልጥውን ኣይድሕንን እዩ።


“ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፤ ካብ ተዅላ ምሸትውን ይጭክኑ። ፈረሰኛታቶም ቀልጢፎም ይጋልቡ፤ ካብ ርሑቕ ስፍራውን ይመፁ። ከምቲ ነጢቁ ንምብላዕ ዝሃፅፅ ንስሪ ይነፍሩ።


ንተን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ነዋሕቲ ግምብታትን፥ መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።


ኣታ ሊባኖስ፥ በርታትካ ኽፈት፤ ሓዊውን ንዝግባታትካ ትብላዕ።


እግዚኣብሄር ኣብኣቶም ክግለፅ እዩ፤ ፍላፃታቱ ኸም በርቂ ኽወፅእ እዩ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር መለኸት ክነፍሕ እዩ፤ ብኣውሎ ንፋስ ደቡብ ድማ ክኸይድ እዩ።


ገምቢ ኣብ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ እዮም ዝእከቡ።”


“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos