8 ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ተፀመረ፤ ኤፍሬምውን ከም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።
ኤልያስ ድማ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብኽልተ ሓሳብ እትሕንክሱ? እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፤ በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኣምላኽ ከዓ ንእኡ ሰዓቡ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
እዝ ነገር እዙይ ምስ ተወድአ ድማ፥ እቶም ኣሕሉቕ ናባይ ቀሪቦም ከምዙይ በሉ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ከምቲ ናይ ከነዓናውያን ናይ ኬጢያውያን፥ ናይ ፌርዛውያን፥ ናይ ኢያቡሳውያን፥ ናይ ኣሞናውያን፥ ናይ ሞኣባውያን፥ ናይ ግብፃውያንን፥ ናይ ኣሞራውያንን ርኽሰት ይገብሩ ኣለዉ እምበር፥ ካብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈለዩን።
እኳ ደኣ ምስ ኣህዛብ ተሓዋወሱ፤ ተግባራቶምውን ተምሃሩ።
“ኤፍሬም ሕማሙ፥ ይሁዳውን ቍስሉ ምስ ረአየ፥ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፤ ናብ ንጉስ ኢያሪምውን ልኡኽ ለኣኸ፤ ግና ንሱ ኸድሕነኩም፥ ቍስልኹምውን ክፍውስ ኣይከኣለን።
ድቓላታት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ፤ ሕዚ ድማ ሓደ ወርሒ ንኣኣቶምን ንርስቶምን ክበልዖም እዩ።
ኣጋይሽ ጕልበቱ በዝበዝዎ፥ ንሱውን ኣይፈለጠን፤ ፀጕሩ ሲበት ኣውፅአ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።
ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም።
ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ደዪቦም፥ ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱ ኸጥፍኦም እየ። ነቶም ንእግዚኣብሄር እናሰገዱን፥ ብስመይ እናመሓሉን፥ ተመሊሶም ከዓ ብስም ጣዖት ሚልኮም ንዝምሕሉ ኸጥፍኦም እየ።
ይሁዳ ኣይተኣመነን፤ ይሁዳ ነቲ እግዚኣብሄር ዘፍቀሮ ቤተ መቕደስካ ኣርኪስዎ፤ ይሁዳ ጓል ባዕዲ ኣምላኽ ኣእትዩ እዩ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ኢየሩሳሌምን ርኽሰት ተፈፂሙ እዩ፤ እዙይ ድማ ጌርኩም ኢኹም።
“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።