6 ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣርሰንዎ፤ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፤ ቍጥዓኦም ምሉእ ለይቲ ይትኪ። ከም ዝነድድ ሓዊውን ንግሆ ሃልሃል ይብል።”
ምስ ተቘጣዕኻ ድማ ኸም ሓዊ እቶን ግበሮም፤ እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኸጥፍኦም እዩ፤ ሓዊ ድማ ኽበልዖም እዩ።
ንሳቶም ክፉእ እንተይገበሩ ኣይድቅሱን እዮምሞ፤ እንተ ዘይጐድኡውን ድቃስ ይኣብዮም እዩሞ።
ኵላቶም ኣመንዝራታት እዮም፤ ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶንውን እዮም። ሰንካቲ፥ እቲ ዅሉ ዝለወሶ ብሑቝ ክሳዕ ዝበኵዕ፥ ነቲ ሓዊ እቶን ኣይቝስቍሶን እዩ።
“ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፤ ንፈረድቶምውን ይውሕጥዎም፤ ኵሎም ነገስታቶም ድማ ወደቑ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ናባይ ዘእዊ የለን።”
እቶም በደል ዝምህዙ፥ ኣብ መደቀሲኦም ከዓ ኽፉእ ዝፍሕሱ ወይለኦም! ስልጣን ኣብ ኢዶም ስለ ዝኾነ፥ ብብርሃን ወጋሕታ ኽፍፅምዎ እዮም።