5 ብመዓልቲ በዓል ንጉስና፥ እቶም መሳፍንቲ ብወይኒ ረሲኖም ሓመሙ፤ ንሱውን ምስቶም መላገፅቲ ኢዱ ዘርግሐ።
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፥ ንፈርዖን መዓልቲ ልደቱ ነበረ፤ ንዅሎም መኳንንቱ ኸዓ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ንሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ንሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን፥ ፈቲሑ ናብ ማእኸል መኳንንቱ ኣምፅኦም።
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውኢ ዝተዛረቦ ነገር ምስ ሰምዐ፥ ንጉስ ኢዮርብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ “ሓዝዎ” በለ። እታ ዝዘርግሓ ኢዱ ግና ስለ ዝደረቐት ክመልሳ ኣይከኣለን።
ብምኽሪ ኽፉኣት ዘይኸደ፥ ኣብ መንገዲ ሓጥኣን ከዓ ዘይቆመ፥ ኣብ መንበር መላገፅቲ ድማ ዘይተቐመጠ ብፁእ እዩ።
እቶም ኣብ በርታት ዝቕመጡ፥ ብኣይ ይፃወቱ ኣለዉ፤ እቶም ወይኒ ዝሰትዩ ኸዓ ብኣይ ይደርፉ።
ምስ ለባም ዝመላለስ ለባም ይኸውን፤ ምስ ዓያሹ ዝተዓራረኽ ግና መከራ ይቕበል።
ወይኒ መላገፂ፥ ብርቱዕ መስተውን ተበኣሲ ይገብር፤ በዚኣተን ዝሰሓተ ጥበበኛ ኣይኸውንን።
ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!
ስለዙይ ኣቱም ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እተመሓድሩ መላገፅቲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።
“ንንጉስ ብኽፍኣቶም፥ ንመሳፍንቱውን ብሓሰቶም የሐጕስዎም ኣለዉ።
በዓል ልደት ሄሮድስ ምስ ኮነ፥ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእኸሎም ሳዕሲዓ ንሄሮድስ ኣሐጐሰቶ፤
ሄሮድስ ዝተወለደላ መዓልቲ ከኽብር፥ ንመሳፍንቲ፥ ንመኳንንቲ፥ ንናይ ገሊላ ዓበይቲ ዓዲ፥ ምሳሕ ምስ ገበረ፥ ሽዑ ምችዊ መዓልቲ ኾነ።
ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።