4 ኵላቶም ኣመንዝራታት እዮም፤ ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶንውን እዮም። ሰንካቲ፥ እቲ ዅሉ ዝለወሶ ብሑቝ ክሳዕ ዝበኵዕ፥ ነቲ ሓዊ እቶን ኣይቝስቍሶን እዩ።
እታ ምድሪ ብኣመንዝራታት መሊኣ ኣላ፤ ካብ መርገም ዝተልዓለ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ መጓሰዪታት በረኻ ነቐፁ፤ ኣካይዳኦም ክፉእ እዩ፤ ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን።
ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥ ለይትን መዓልትን ክበክስ፥ ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!
ህዝበይ ኵላቶም ዘመውትን፥ ጉባኤ ጠለምትን ኮይኖም እዮም እሞ፥ ንህዝበይ ክሓድጎም፥ ካብኣቶምውን ንኽፍለስ ኣብ ምድረ በዳ መሕደሪ ኣጋይሽ መን ምሃበኒ!
ንእግዚኣብሄር ምኽታል ሓዲጎም እዮም እሞ፥ ይበልዑ ግና ኣይፀግቡን፤ የመንዝሩ ግና ኣይበዝሑን እዮም።
ንህዝበይ መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፥ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም ኣመንዚሮም እዮም እሞ፥ ህዝበይ ነቲ ዕንፀይቲ ይጥይቑ፤ በትሮምውን ይምልሰሎም።
መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ።
ዛህራኻትኩም ፅቡቕ ኣይኮነን። ቁሩብ መባዅዕቲ፥ ንብዘሎ እቲ ብሒቝ ከም ዘብኵዖዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
ኣቱም ዘማውያን ነዝ ዓለም እዙይ ምፍቃር፥ ንእግዚኣብሄር ምፅላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን።