Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ሆሴዕ 6:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 “ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ሆሴዕ 6:1
36 Referencias Cruzadas  

እቶም ልኡኻት ድማ መልእኽትታት ንጉስን ሹመኛታቱን ሒዞም ናብ ኵሉ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፥ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም ነገሩ፦ “ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ኣምሊጥኩም ተሪፍኩም ኣለኹም፤ ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ተመለሱ።


“ብቝጥዓኡ ሰላልዐንን ፀልአኒውን፤ ኣስናኑውን ሓርቀመለይ፤ ፀላእየይ ዓይኑ ኣፍጠጠለይ።


ናብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተ ተመሊስካ፥ እንተ ተዋረድካውን፥ ከምቲ ዝነበርካዮ ኸፅንዐካ እዩ፤ ንሓጢኣትውን ካብ ድንኳንካ እንተ ኣርሒቕካ፤


ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?


ንሱ ይሰብር፤ ይፅግንውን፤ የቝስል፤ ኣእዳዉ ኸዓ ይፍውሱ።


ኦ ጐይታ፥ ብፍቓድካ ንህይወተይ ሓይሊ ሃብካያ፤ ገፅካ መለስካ፤ ኣነውን ደንገፅኩ።


ኦ ጐይታ፥ ድዉይ እየሞ፥ መሓረኒ፤ ኣዕፅምተይ ተሃዊኸን እየንሞ፥ ፈውሰኒ።


ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ኣርአኻኒ፤ ግና ተመሊስካ ህያው ገበርካኒ፤ ካብ ውሽጢ ምድሪ እውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ።


ንምቕታል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድሓን ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍራስ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስራሕውን ጊዜ ኣለዎ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ኽጥምት እዩ፤ ኣዒንቱ ኸዓ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሪኣ እየን።


ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤ ብዙሓት ህዝብታት፥ “ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤ ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ክብሉ እዮም።


ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።


በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።


ክፉእ ሰብ መንገዱ፥ በደለኛውን ሓሳቡ ይሕደግ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለስ፤ ንሱ ኸዓ ምሕረት ክገብረሉ እዩ፤ ናብ ኣምላኽና ይመለስ፤ ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ።


ኣቱም ጠለምቲ ውሉድ፥ ከሕውየኩም እየሞ፥ ካብ ጥልመትኩም ተመለሱ፤ ንስኻትኩም እንሆ “ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻሞ፥ እኒሀና ናባኻ ንመፅእ ኣለና።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስብራትካ ዘይፅገን፥ ቍስልኻውን ብርቱዕ እዩ።


እታ ሓደኳ ዘይግደሰላ ድርብይቲ ፅዮን ኢሎም ሰምዮምኺ እዮምሞ፥ ኣነ ንኸጥዕየኪ፥ ንቝስልኺውን ከሕውዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ምስ ከለዳውያን ክዋግኡ መፂኦም እዮም፤ እዚኣቶም ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቝጥዓይ ዝቐተልኩዎም ሰባት ክመልእዋ እዮም። ብሰንኪ ዅሉ ኽፍኣቶም ካብዛ ኸተማ እዚኣ ገፀይ መሊሰ ኣለኹ።


ይኹን እምበር ፈውስን መድሓኒትን ከምፅአላ እየ፤ ክፍውሶምውን እየ፤ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ኽገልፀሎም እየ።


“በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ሓቢሮም ክመፁ እዮም፤ እናበኸዩ ክኸዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ክደልዩ እዮም።


ናብ ፅዮን ዝወስድ መንገዲ ኽጥይቑ እዮም፤ ገፆም ናብኣ ኣቕኒዖም ከዓ ክኸዱ እዮም፤ ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ፥ ምስ እግዚኣብሄር ንእቶ ኽብሉ እዮም።


ንመንገደይ ለወጦ፤ ሰባበረኒ ኣዕነወኒ እውን።


ንሱ ይጓዝም፥ እቶም ደቂ ኸዓ እናንቀጥቀጡ፥ ካብ ምዕራብ ይመፁ እሞ፥ ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።


ስለዙይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ፤ ምሕረትን ፍትሕን ሓሉ፤ ኵልሻዕ ብኣምላኽካ ተኣመን።


ኦ እስራኤል፥ ብሓጢኣትካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።


ቍጥዓይ ካብኣቶም ተመሊሱ እዩ እሞ፥ ኣነ ንዓመፃኦም ክፍውሶ እየ፤ ብፍቓደይውን ብልቢ ኽፈትዎም እየ።


ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።


እቲ ኻህን ክምርምር እንተ ኣተወ፥ እንሆ ኸዓ፥ እታ ገዛ ምስ ተለቕለቐት፥ እቲ ሕማም ኣብታ ገዛ ኸም ብሓድሽ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ሕማም ሓውዩ እዩ እሞ፥ እታ ገዛ ንፅህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር።


ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፥ እቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እንተይወፀ፥ እቲ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ እንተይሓለፈ፥ እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር እንተይመፀኩም፥ እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተየርከበትኩም፥ ተኣከቡ።


ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤ ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤ ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤ ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።


እግዚኣብሄር ይቐትል፥ የድሕንውን፤ ናብ ሲኦል የውርድ፤ መሊሱ ኸዓ የውፅእ።


ሳሙኤል ከዓ ንዅላ ቤት እስራኤል “ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንተ ዄንኩም፥ ባዕዳን ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቑ፤ ልብኹም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፤ ንእኡ ጥራሕውን ኣምልኹ፤ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነኩም እዩ” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos