2 ዓመፀኛታት ሕሩድ ኣብዚሖም፤ ኣነ ግና ንዅላቶም ክቐፅዖም እየ።
ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ዓመፅ እናወሰኽኩም ስለ ምንታይ ትቕፅዑ? እንሆ፥ ኵሉ ርእሲ ንሕማም፥ ኵሉ ልቢውን ንድኻም ኮይኑ እዩ።
እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም!
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻዶ፥ ሓቂ ኣይኮናን ዝደልያ? ወቓዕኻዮም ግና ኣየሕመሞምን። ደቘስካዮም ግና ኣይተቐፅዑን፤ ገፆም ከም ኰዅሒ ኣትረሩ፤ ብንስሃ ምምላስውን ኣበዩ።
ኵላቶም የመና ዓመፀኛታት እዮም፤ ከም ነሃስን ሓፂንን ዝተረሩ ጠለምትን ከዳዓትን እዮም። ኵላቶም ሓሜት እናዘርኡ ይኸዱ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ብልሽዋት እዮም።
መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ።
ስለዙይ ብኢድ ነቢያተይ ቈራረፅኩዎም፤ ብቓል ኣፈይውን ቀተልኩዎም፤ ፍርደይ ከዓ ኸም ብርሃን ይወፅእ።
ከምቲ ንሰብ ከጥቅዑ ዘድብዩ ኸተርቲ፥ እቶም ካህናትውን ኣብ መንገዲ ሴኬም ይቐትሉ፤ ዘሕፍር ዓመፅውን ይፍፅሙ።
ኣብ ጌልገላ ኻብ ዝገበርዎ ኽፍኣት ዝተልዓለ፥ ኣነ ኣብኡ ፀላእኹዎም። ስለ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣትውን፥ ካብ ቤተይ ከሳጕጎም እየ። ድሕሪ ደጊም ኣየፍቅሮምን እየ፤ ኵሎም ኣሕሉቖም ዓመፀኛታት እዮም።
ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።