8 ሓጢኣት ንህዝበይ ምግቢ ኾይንዎም ኣሎ፤ ልቦም ድማ ናብ በደል የድህብ ኣሎ።
እቲ ኽንዲ መስዋእቲ በደልን ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝኽፈል ገንዘብ ንኻህናት ደኣ ኾነ እምበር ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ሳፁን ኣይኣተወን።
እቲ ኣእዳዉ ዝነፅሃ፥ ልቡውን ንፁህ ዝኾነ፥ ነፍሱ ንኸንቱ ዘየልዓለ፥ ንብፃዩ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዕል ኣለኹ።
የመና ህሩፋት ኣኽላባት እዮም፤ ፀጊበ ኣይፈልጡን፤ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፤ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕረዋይ፥ ረብሓ ርእሱ ደለየ፤ ኵሎም ብናይ ባዕልቶም መንገዲ ኸዱ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣዖታት ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፤ ነቲ ናይ በደሎም መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፆም ኣቝሞምዎ ኣለዉ፤ ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክጥየቕ እየ?”
“ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ መፃእተኛታት ካባይ ዝርሕቕ፥ ንጣዖታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፥ ነቲ ናይ በደሉ መቕሰፍቲ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ገፁ ዘቕውም፥ ንኣይ ክጥይቐሉ ኢሉውን ናብ ነቢይ ዝመፅእ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ።
ክፍኣት ሓረስኩም፤ ሓጢኣትውን ዓፀድኩም፤ ፍረ ሓሶት ድማ በላዕኹም፤ ብብዝሒ ሰራዊትካ ብመንገድኻውን ተኣማሚንካ ኢኻሞ።
“ኤፍሬም ኣነ ሃብታም ኮንኩ፤ ንብረትውን ኣጥሪየለኹ። ኣብ ኵሉ ፃዕረይ፥ ሓጢኣት ዝኸውን በደል ኣይርከበንን” በለ።
ኦ እስራኤል፥ ብሓጢኣትካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።
እቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ክንዲ ኣቦኡ ተተኪኡ ዝቕባእ ካህን ድማ የቕርቦ። ብምሉኡ ንእግዚኣብሄር ይቃፀል፤ እዙይ ንዘለኣለም ዝፀንዕ ስርዓት ይኹን።
እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኦ ካህን ይብልዓዮ፤ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ፥ ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይበላዕ።
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
“ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱ፥ ሓደ ኻባኻትኩም በርታት ዝዓፁ እንተ ዝርከብ! ኣነ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን፤ ካብ ኢድኩምውን ዝኾነ ዓይነት ቍርባን ኣይቅበልን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።
ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ።
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።
ነቲ ኣብ ማሕደረይ ክቐርብ ዝኣዘዝክዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምግብን ደኣ ስለ ምንታይ ኢኹም እትረግፅዎ ዘለኹም? ካብ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩዎ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል ዘዝበለፀ በሊዕኹም ምእንቲ ኽትሃጥሩስ፥ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ?’