7 “ብዝበዝሑ መጠን ኣብ ልዕለይ ዝገብርዎ ሓጢኣት በዚሑ ኣሎ። ኣነ ድማ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ እየ።
ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።
እስራኤል ብዙሕ ዝሰፍሐን ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ወይንን እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍረኡ፥ ብዙሕ መሰውኢታት ኣብዝሐ፤ ከም መጠን ምፅባቕ ምድሩውን፥ እናመልክዑ ሓወልትታት ሰርሑ።
እቲ ጣዖት፥ ነቲ ዓብዪ ንጉስ ኢያሪም ውህብቶ ክወሃብ፥ ናብ ኣሶር ክውሰድ እዩ። ኤፍሬም ሕፍረት ክሕዞ እዩ፤ እስራኤልውን ብምኽሩ ክሓፍር እዩ።
ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ርህራሀ ኻብ ኣዒንተይ ተሰወረ።
ስለዙይ ምስተዋፈሩ ፀገቡ፤ ምስ ፀገቡውን ልቦም ተዓበየ፤ ስለዙይ ረስዑኒ።
ንእግዚኣብሄር ምኽታል ሓዲጎም እዮም እሞ፥ ይበልዑ ግና ኣይፀግቡን፤ የመንዝሩ ግና ኣይበዝሑን እዮም።
“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።
ከምቲ ንሰብ ከጥቅዑ ዘድብዩ ኸተርቲ፥ እቶም ካህናትውን ኣብ መንገዲ ሴኬም ይቐትሉ፤ ዘሕፍር ዓመፅውን ይፍፅሙ።
ክብሪ ኤፍሬም፥ ከም ዒፍ ነፊሩ ኽጠፍእ እዩ፤ ደጊም ምውላድ ምጥናስ ድቂ ምሓዝ ኣይኾነሎምን።
ክንዲ ኽብሪ፥ ሕፍረት መሊኡካ ኣሎ፤ ንስኻውን ሰቲኻ ሰንደልደል በል፤ እቲ ፅዋዕ የማን እግዚኣብሄር ክምለሰካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻውን ሕፍረት ክኸውን እዩ።
ስለዙይ ብመንገደይ ስለዘይከድኩምን፥ ብሕገይውን ኣድልዎ ስለዝገበርኩምን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኽትነዓቑን ክትዋረዱን ገይረኩም እየ።
“ያእቆብ ግና በልዐ ሃጠረ እሞ ተራግሐ፤ ሰብሐ፥ ገዘፈ፥ ሰፍሐ፤ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ሓደጎ፤ ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ።
መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ከገልግሉኒ እዮም ኢለ ነይረ’ ደጊም ግና ‘ኣይኸውንን፤ ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም፤ እዙይስ ካባይ ይርሓቕ’ ይብል እግዚኣብሄር።