5 ብመዓልቲ ሰንከልከል ትብሉ ኣለኹም፤ እቶም ነቢያትውን ምሳኻትኩም ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ። ኣነውን ንኖኹም ከጥፍኣ እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
መበለታቶም ካብ ሑፃ ባሕሪ በዝሓኒ፤ ኣብ ልዕሊ እኖ ኣጓብዝ፥ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምፃእኹ፤ ብድንገት ጓህን ራዕድን ኣውረድኩላ።
ብዛዕባ ነቢያት ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተሰብረ፤ ኣዕፅምተይውን ተናወፀ። ብምኽንያት እግዚኣብሄርን፥ ብምኽንያት ቅዱስ ቃሉን ከም ስኹርን፥ ከምቲ ወይኒ ዘሸነፎ ሰካራም ሰብን ኮንኩ።
እኖኹም የመና ኽትሓፍር፥ ወላዲትኩምውን ክትዋረድ እያ፤ ካብ ኵሉ መንግስታት ዝሓመቐት ክትከውን እያ፤ በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣዖታት ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፤ ነቲ ናይ በደሎም መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፆም ኣቝሞምዎ ኣለዉ፤ ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክጥየቕ እየ?”
ደቀይ፥ ድሕሪ ሕዚ እኖኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን፤ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፥ ተማጐቱ፤ ምስ እኖኹም ተሟጐቱ፤ ምንዝርናኣ ኻብ ገፃ፥ ዝሙታ ኸዓ ኻብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ።
እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።
ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኣቶም ይምስክር፤ እስራኤልን ኤፍሬምን ከዓ ብሓጢኣቶም ይሰናኸሉ፤ ይሁዳውን ምስኣቶም ክሰናኸል እዩ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፥ ነቶም ሰለስተ ጓሶት ኣወገድክዎም። ነፍሰይውን ተሰቀቐቶም፤ ነፍሳቶምውን ንኣይ ፀልአትኒ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ግና፥ ብነፃነት እትነብር እያ፤ ንሳ ኸዓ እኖና እያ።