3 ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።”
እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።
ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”
እታ ምድሪ ብኣመንዝራታት መሊኣ ኣላ፤ ካብ መርገም ዝተልዓለ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ መጓሰዪታት በረኻ ነቐፁ፤ ኣካይዳኦም ክፉእ እዩ፤ ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን።
ጠመትኩ፤ እንሆ ሰብ ኣይነበረን፤ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ በሪረን ነበራ።
“ንእምባታት ብኽያት፥ ነቲ መውፈሪ ምድረ በዳውን፥ ዋይ ዋይ ምባል ከልዕል እየ፤ ሰብ ከይሓልፉሎም ብሓዊ ነዲዶም እዮምሞ፥ ክቝዝመሎም እየ፤ ኣብኡ ድምፂ ኸፍቲ ኣይስማዕን፤ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።”
በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን እዩ? ነፍሰይከ ኣብ ልዕሊ ኸምዙይ ዝበለ ህዝቢ፥ ክትብቀልዶ ኣይግባእን? ይብል እግዚኣብሄር።”
ሽዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን፥ እንስሳ በረኻን ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ለመምታን፥ ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን፥ ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ እምባታት ክግልበጡ፥ ኣኻውሕ ክፈርሱ፥ ኵሉ መናድቕ ከዓ ኣብ ምድሪ ኽወድቕ እዩ።
እንስሳታት ዓዕ ይብሉ፤ እተን መጓሰ ኸፍቲ፥ ዝጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ተጨነቓ፤ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ጠፍኣ።
ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን ኮይኑ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ የስምዕ፤ ካብ ኢየሩሳሌምውን ቃሉ ይህብ፤ እቶም መዋፈሪ ጓሶት ይበኽዩ፤ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅፅ።”
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፦ “ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ክቍዘም፥ ኣብ ኵሉ መንገድታት ከዓ፥ ዋይ ዋይ ክበሃል እዩ። ንሓረስቶት ናብ ብኽያት፥ ነቶም መልቀስ ዝኽእሉ ናብ ዋይታ ኽፅውዑ እዮም።
እዛ ምድሪ እዚኣ በዝ ምኽንያት እዙይዶ ኣይተንቀጥቅጥን እያ? እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶምከ ኣይሓዝኑንዶ? ንሳ ብምልእታ ኸም ወሓዚ ኽትለዓል፥ ከም ፈለግ ግብፂ መሊኣ ቐምበይ ቀምበይ ክትብልን፥ ጐዲላ ኸዓ ትሕት ክትብልን እያ።
ንባሕሪ ይግስፃን የንቅፃን፤ ንዅሎም ሩባታት የንፅፎም፤ ባሳንን ቀርሜሎስን ፀምለዉ፤ ዕምበባ ሊባኖስውን ረገፈ።
“ንሰብን እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ከጥፍኦም እየ፤ ንመዐንቀፊታት ምስቶም ክፉኣት ከጥፍኦም እየ፤ ንደቂ ሰብውን፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ኸውፅኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ኣነ ነዝ መርገም እዙይ ክሰዶ እየ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን፥ ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሰት ዝምሕልን ክኣቱ እዩ። ኣብ ቤቱውን ክነብር እዩ፤ ንእኡን ቤቱን ዕንፀይቱን እምኑን ከዓ ኸጥፍኦ እዩ።”