11 “ምንዝርናን ብወይኒ ምስካርን ኣእምሮ የጥፍእ እዩ።
ወይኒ መላገፂ፥ ብርቱዕ መስተውን ተበኣሲ ይገብር፤ በዚኣተን ዝሰሓተ ጥበበኛ ኣይኸውንን።
“ልሙኤል ስማዕ! ነገስታት ወይኒ ኽሰትዩ፥ መሳፍንቲ ‘ዘስክር መስተ ኽብህጉ?’ ኣይግባእን እዩ።
እቲ ምስ ሰበይቲ እማቱ ዘመንዝር ግና ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ፤ ከምኡ ዝገብርውን ንህይወቱ እዩ ዘጥፍኣ።
ግፍዒ ንጥበበኛ የዕብዶ፤ ጕቦውን ንልቡ የጥፍኦ።
ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንደልደል ይብሉ፤ ብሰንኪ ብርቱዕ መስተ ኸዓ ይሰናኸሉ። ካህናትን ነቢያትንውን ብዘስክር መስተ ሰንደልደል በሉ፤ ብወይኒ ተውሓጡ፤ ብብርቱዕ መስተ ሰንደልደል ይብሉ ኣለዉ። ራእይ እንትሪኡ ይስሕቱ፤ እንትፈርዱ ኸዓ ይጋገዩ።
ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን።
ኣብ ነቢያት ሰማርያ፥ ዘየሐጕስ ረአኹ፤ ብስም በዓል ተነበዩ፤ ንህዝበይ እስራኤልውን ኣስሓቱ።
ንህዝበይ መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፥ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም ኣመንዚሮም እዮም እሞ፥ ህዝበይ ነቲ ዕንፀይቲ ይጥይቑ፤ በትሮምውን ይምልሰሎም።
መንፈስ ኣመንዝራነት ኣብ ውሽጦም ኣሎሞ፥ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፥ እቲ ስራሖም ናብ ኣምላኾም ንኽምለሱ ኣይፈቕደሎምን።
ኤፍሬም ልቢ ኸም ዘይብላ የዋህ ርግቢ እዩ፤ ንግብፂ ይፅውዑ፤ ናብ ኣሶር ድማ ይኸዱ።
“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክትኣትዉ እንተለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ ንስኻን ደቅኻን ወይንን ዘስክር መስተን ኣይትስተዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ።
“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!
ኣቢግያ ድማ ናብ ናባል ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ንንጉስ ዝበቅዕ ምሳሕ ኣብ ገዛኡ ነበሮ። ናባል ብመስተ ተሓጒሱ የመና ሰኺሩ ነበረ። ስለዙይ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምንም ኣይተዛረበቶን።