3 “ብዙሕ መዓልቲታት ምሳይ ተቐመጢ፤ ኣይተመንዝሪ፤ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፤ ኣነውን ከምኡ ክኾነልኪ እየ” በልክዋ።
ደድሕሪ ኣማልኽቶም እንትስዕቡን ንኣማልኽቶም ክስውኡ እንተለዉን ከይዕድሙኹም እሞ ኻብ መስዋእቶም ምእንቲ ኸይትበልዑ፥ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ፥ ኪዳን ኣይትእተዉ።
ነቲ ኽማረኻ እንተለዋ ተኸዲነናኦ ዝነበራ ኽዳውንቲ ይደርብያኦ። ኣብ ኣባይትኹም ይንበራ፤ ነቦአንን ንኖአንን ከዓ ወርሒ ምሉእ ይብከያሎም። ድሕሪዙይ ኣእትዉወን እሞ፥ ንስኻትኩም ሰብኡተን ኩኑ፤ ንሳተን ድማ ኣንስትኹም ይኹና።