Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ሆሴዕ 2:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ እያ፥ ግና ኣይተርክቦምን፤ ክትደልዮም እያ፥ ግና ኣይትረኽቦምን። ሽዑ ንሳ “ካብ ሎሚ ቕድም ይሕሸኒ ነይሩ እዩሞ፥ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ” ኽትብል እያ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ሆሴዕ 2:7
41 Referencias Cruzadas  

“ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ፥ ንነገስታት ሶርያ ስለ ዝሓገዝዎም፥ ኣነ ኸዓ ምእንቲ ኽሕግዙኒ ኽስውአሎም እየ” ኢሉ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውአሎም ነበረ። ንሳቶም ግና ንእኡን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደኣ መዐንቀፊ ኾንዎም።


እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፥ ኦ ነፍሰይ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ።


እኳ ደኣ በፍራስ ተቐሚጥና ኢና በልኩም። ስለዙይውን ክትሃድሙ ኢኹም፤ መሊስኩም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንቕመጥ ኢና በልኩም፤ እንተ ኾነ እቶም ዘሳጕጉኹም ዝቐልጠፉ ክኾኑ እዮም።


ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥ ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ? ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።


“ኪድሞ ኣብ ኣእዛን ኢየሩሳሌም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ድምፂ ኣስምዕ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኸምዙይ ኢልካ ኣውጀሎም” በለኒ። “ፍቕሪ ንእስነትክን፥ መርዓት እንተለኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንን፥ ኣብ ፀምፀም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን፥ ከም ዝተኸተልክኒ፥ እዝክር ኣለኹ።”


“ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ።


ስለ ምንታይ መንገድኺ ንምልዋጥ ትጐዪ ኣለኺ? ኸምቲ ብኣሶር ዝተዋረድኪ፥ ብግብፂ ኸዓ ኽትዋረዲ ኢኺ።


ከምቲ ዝበሃል፦ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ፥ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኻልእ ሰብኣይ እንተእተወት፥ ብሓቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ መሊሱዶ ኸእትዋ ይኽእል? እታ ሰበይቲ እቲኣ የመና ዝረኸሰትዶ ኣይኮነትን? ንስኺ ግና ምስ ብዙሓት ፈተውቲ መንዚርክስ፥ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ? ይብል እግዚኣብሄር።


“ኤፍሬም ከዓ፥ ከም ዘይፀረየ ዝራብዕ ቀፃዕኻኒ፤ ኣነውን ተቐፃዕኹ፤ ‘ንስኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ኣምላኸይሞ ምለሰኒ፤ ኣነውን ክምለስ እየ።


ከምቲ ኻብ ሃገር ግብፂ፥ ኣእዳዎም ሒዘ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይታኦም እንተለኹስ፥ ንሳቶም ነቲ ኪዳነይ ኣፍረስዎ፤ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።


ክዳን ወርቀ ዘቦኺ ኣልዒልኪ ኸደንክዮም፤ ዘይተይን ዕጣነይን ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረብኪ።


“ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፥ ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


ንሕና ኸምቶም ኣህዛብን ዓሌታት ሃገራትን፥ ንዕንፀይትን እምንን ከነምልኽ ኢና፥ ዝብል ሓሳብ ልብኹም ኣይፍፀመልኩምን።”


ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር ኣሕሉቕን ሹመኛታትን፥ ዘሐብን ክዳውንቲ እተኸደኑ፥ ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ፈረሰኛታት ኵሎም መልክዐኛታት ኣጓብዝ ብፍትወት ነደደት።


ስለዙይ “ኣቲ ኦሆሊባ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻብኣቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ፥ ከተስአልኪ እየ፤ ክፃረሩኺ ኸዓ ኻብ ኵሉ ወገን ከምፅኦም እየ።


ስማተን ከዓ እታ ዓባይ ኦሆላ፥ እታ ሓፍታ ድማ ኦሆሊባ፥ ይበሃላ ነበራ፤ ናተይ ኮና፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳ፤ ስማተን ከዓ ኦሆላ ሰማርያ እያ፤ ኦሆሊባ ድማ ኢየሩሳሌም እያ።


እዝ ነገር እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ እዩ፤ እቲ ፍርዱውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ። እቲ ልዑል፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ሰባት ከም ዝገዝእን፥ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ንዝደለዮ ኸም ዝህብን፥ ካብ ሰባትውን ንዝተንዓቑ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝሸይምን፥ ኵሎም ህያዋን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።’


እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ፥ ክሳዕ እትፈልጥ፥ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ተፈሊኻ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም እንስሳ ኸዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ፤ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ኽትጥልቂ ኢኻ።


እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ ኽሳዕ እትፈልጥ፥ ንሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም ብዕራይ ከዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ክትግደድ ኢኻ።”


ጐይታ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸም ዝሸመሉ ኽሳዕ ዘስተውዕል፥ ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐጐ፤ ልቡ ኸዓ ኸም ናይ እንስሳ ኾነ፤ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።”


እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።


ስለዙይ ምስተዋፈሩ ፀገቡ፤ ምስ ፀገቡውን ልቦም ተዓበየ፤ ስለዙይ ረስዑኒ።


ኦ እስራኤል፥ ብሓጢኣትካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።


በታ መዓልቲ እቲኣ፥ “ሰብኣየይ” ኢልኪ ኽትፅውዕኒ ኢኺ፤ ካብ ደጊም ግና “በዓለይ” ኢልኪ ኣይትፅውዕንን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


“ኤፍሬም ሕማሙ፥ ይሁዳውን ቍስሉ ምስ ረአየ፥ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፤ ናብ ንጉስ ኢያሪምውን ልኡኽ ለኣኸ፤ ግና ንሱ ኸድሕነኩም፥ ቍስልኹምውን ክፍውስ ኣይከኣለን።


“በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos