5 እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።
እታ ፍትሒ መሊእዋ ዝነበረ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኣመንዝራ ኾነት! ቀደም ፍትሒ ዝነበራ፥ ሓቂውን ዝመልኣ ነበረት፤ ሕዚ ግና መሕደሪ ቐተልቲ ነፍሲ ኾነት።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ።
ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ።
ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ኸይሓድገክን፥ ሰብ ዘይብላ ምድረ በዳውን ኸይገብረክስ ተግሳፅ ተቐበሊ።”
ስለዙይ ኣቲ ዘማዊት ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፤
ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኸፍርሱ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኽግልብጡ፥ ክዳውንትኺ ኽገፉ፥ ፅቡቕ ሽልማትኪ ኽቕንጥጡ ጥራሕኽን ዕርቕትን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም።
“በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትብቲ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፤ ምእንቲ ኽትፀርዪውን ብማይ ኣይተሓፀብክን፤ ብጨው ኣይተቐባእኽን፤ ብጨርቂውን ኣይተጠቕለልክን።
እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።
ደቀይ፥ ድሕሪ ሕዚ እኖኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን፤ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፥ ተማጐቱ፤ ምስ እኖኹም ተሟጐቱ፤ ምንዝርናኣ ኻብ ገፃ፥ ዝሙታ ኸዓ ኻብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ።
ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “መሊስካ ኺድ እሞ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን፥ ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮም፥ ንስኻውን ንሓንቲ ብኻልእ ሰብኣይ ዝተፈትወት ሰበይቲ ፍቶ” በለኒ።
ብመዓልቲ ሰንከልከል ትብሉ ኣለኹም፤ እቶም ነቢያትውን ምሳኻትኩም ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ። ኣነውን ንኖኹም ከጥፍኣ እየ።
ከምቲ ንበይኑ ዝነብር ኣድጊ በረኻ፥ ናብ ኣሶር ከዱ፤ ኤፍሬም ብውህብቶ ፈተውቲ ገበረ።
ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ኾይኑ ረኸብክዎ። ነቦታትኩም ድማ፥ ከምቲ ቐዳማይ በኵራት ፍረ ኦም በለስ ረአኽዎም። ንሳቶም ግና ናብ ብዔልፌጎር ኣተዉ፤ ንነውሪ ድማ ተፈለዩ፤ ከምቲ ዝፈተውዎ ኸዓ ርኹሳት ኮኑ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ፅቡቓት ደናግልን እቶም ኣጓብዝን ብፅምኢ ኸሕለልዉ እዮም።
እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ “ኣምላኽና ንሶምሶን ፀላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ክሕጐሱን ተኣከቡ።