3 እንተ ዘይኮነ ቀሚሻ ቀንጢጠ ኸምታ ዝተወለደትላ መዓልቲ ጥራሓ ኽገብራ እየ፤ ከም ምድረ በዳን፥ ከም ንቑፅ ምድርን ክገብራ፥ ብፅምኢ ማይ ድማ ኽቐትላ እየ።
እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ፀሚኦም፥ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንሕናን ደቅናን እንስሳናን ብፅምኢ ኽንመውት ካብ ግብፂ ዘውፃእኻና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።
እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።
ዕርቃንኪ ይቀላዕ፤ ሕፍረትኪ ኸዓ ይረአ፤ ኣነ ኽብቀል እየ፤ ንዝኾነውን ኣይርህርህን።”
ኵለን ቅዱሳት ከተማታትካ፥ ምድረ በዳ ኾና፤ ፅዮን ባደመት፤ ኢየሩሳሌምውን ዓነወት።
ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣጥፍእዋ፤ ነታ ዕድሎት ርስተይውን ይረግፅዋ ኣለዉ፤ ንግደ ርስተይ ከም ዝፀወመ ምድረ በዳ ገበርዋ።
ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ።
ስለዙይ ሓፍረትኪ ምእንቲ ኽረአ፥ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ።
እቶም ዓበይቲ ነቶም ኣናእሽቱ፥ ማይ ከምፅኡ ለኣኽዎም፤ ንሳቶምውን ናብ ጕድጓድ መፁ፤ ግና ማይ ኣይረኸቡን፤ ማይ ዘይብሉ ዓታሩ ኸዓ ሒዞም ተመለሱ። ስለ ዝሓፈሩን ስለ ዝሓነኹን ከዓ፥ ርእሶም ተጐልበቡ።
ንሱ ኸምቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ንቑፅ ቈጥቋጥ እዩ፤ ሰናይ እንትመፅእውን ኣይርእን፤ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ናይ ጨው ምድሪ ይነብር።”
ኣታ ትውልዲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ንእስራኤልዶ ኸም ፀምፀም በረኻን ድቕድቕ ፀልማት ከም ዝኾነ ምድርን ኮይነዮም እየ? ስለ ምንታይ ደኣ ህዝበይ ‘ድልየትና ኽንገብር ኢና፤ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝብል?
ንሳቶም “እቲ ኻብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአና፥ ብምድረ በዳ፥ ብምድሪ ፅምዋን ድንጕርን፥ ብምድሪ ኣፃምእን ብፀልማትን፥ በቲ ሓደ እኳ ዘይሓልፎን፥ ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሐና እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ኣይጠየቑን።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻ ንኣይ ከም ገለዓድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፤ ግና ኣነ ብርግፅ ምድረ በዳ፥ ሰብ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ብርቱዕ ቍጥዓኡን፥ እታ ፈራይት ምድሪ፥ ምድረ በዳ ኾነት፥ እተን ከተማታት ድማ ፈሪሰን ረአኽወን።
ከተማታታ ሓደ እኳ ዘይነብረለን፥ ብኣኣተንውን ዝሓልፍ ዘይብለን፥ ዝባደማን ንቑፅ ምድረ በዳን ኮና።
ምድሮም በቲ ንናይ እስራኤል ቅዱስ ዝበደልዎ በደል እኳ እንተ መልአት፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም፥ ንህዝቢ እስራኤልን ንህዝቢ ይሁዳን ኣይደርበዮምን።
ኣብ ኵሉ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን እንተለኺ፥ ነቲ ጥራሕኽን ዕርቕትን ኴንኪ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን።”
ሕዚ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣፃምእ ተተኺላ ኣላ።
ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት።
ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ፈተውታ፥ ሓፍረታ ኽቐልዓ እየ፤ ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ድማ፥ ሓደ እኳ የለን።
እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ እቲ ኣራዊትን፥ ነታ ኣመንዝራ ኽፀልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ፥ ጥራሓ ኸውፅእዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም።
ሶምሶን ከዓ የመና ፀምአ እሞ “እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ንባርያኻ ሃብካ፤ ሕዚ ኸዓ ብፅምኢ ማይ ክመውት፥ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግሩዛትውን ክወድቕ ድየ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ።