12 ንሳ ነቲ “ፈተውተይ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዙይ እዩ” ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከባድሞ፥ ዱር ከዓ ኽገብሮ እየ፤ ኣራዊት በረኻውን ክበልዕዎ እዮም።
ስለ ምንታይ ሓፁራ ኣፍረስካ? እንሆ ሕዚ ዅሎም ሓለፍቲ መንገዲ ይቕንጥብዋ ኣለዉ።
ዱር ሊባኖስ ናብ ፍርያም ግራት ክልወጥ፥ እቲ ፍርያም ግራት ከዓ ኸም ዱር ክቝፀር፥ ቁሩብ ጊዜዶ ኣይኮነን ተሪፉ ዘሎ?
“እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዝግምቱ ሽሕ ጕንዲ ወይኒ ዘለዎ ዅሉ ስፍራታት ኣታኽልቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ጥራሕ ይኸውን።
ስለዙይ ሓፍረትኪ ምእንቲ ኽረአ፥ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ።
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።”
“ኣነ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ኣብ ሃረግ፥ ወይኒ ኣይርከብን፤ ኣብ ኦም በለስውን በለስ ኣይርከብን፤ ቈፅሊ እኳ ይረግፍ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኽህቦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
ኰራዅራ ኸም ዘሕደግዋ ድቢ ኾይነ ክገጥሞም እየ፤ ነቲ ስብሒ ልቦም ክቐዶ እየ፤ ከም ዋዕሮ ኽውሕጦም፥ ከም ኣራዊት በረኻውን ክሰላልዖም እየ።
እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።
ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ ሰባቢረ ክኸይድ እየ፤ መንዚዐውን ክወስድ እየ፤ ዘድሕን ድማ የለን።
ኦ እስራኤል፥ ካብ ኣምላኽካ ተፈሊኻ ኣመንዚርካ፥ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻሞ፥ ከም ኣህዛብ ደስ ኣይበልካ፤ ኣይትተሓጐስውን።
ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።