3 ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።
ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ሓሰር፥ ኣውሎ ንፋስውን ከም ዝወስዶ ብቝብቝ ዝኾኑ ኽንደይ ጊዜ እዮም?
ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተመለሰትኒ፤ ከም ንፋስ ኮይኖምውን ንኽብረይ የሳጕጉዋ፤ ድሕንነተይውን ከም ደመና ሓለፈ።”
እቶም ክፉኣት ግና ኸምዙይ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም።
ትኪ ኸም ዝበንን፥ ከምኡ ይብነኑ። ሽምዒ፥ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ከምኡውን ሓጥኣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይጥፍኡ።
ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።
ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰናይኩም ከም ግመ ንግሆ፥ ከም ዝጠፍእ ኣውሊ እዩሞ፥ ኦ ኤፍሬም፥ እንታይ ክገብረካ? ኦ ይሁዳ፥ እንታይ ክገብረካ?
ግና ሰላም ክዘርእ እየ፤ ወይኒ ፍረኡ ኽህብ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ በቍላ ኽትህብ እያ፤ ሰማያት ድማ ጠሊ ኽህቡ እዮም። ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ነዝ ዅሉ ኸውርሶም እየ።