Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ሆሴዕ 13:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ኤፍሬም ክዛረብ እንተሎ ፍርሓት ይኸውን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ተዓበየ። ግና ንበዓል ስለ ዘምለኸ በደለ፤ ሞተውን።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ሆሴዕ 13:1
26 Referencias Cruzadas  

ካብ ፍረ እታ ፅቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ፤ ካብኣ እንተ በሊዕኻ በታ ዝበላዕኻላ መዓልቲ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ኣዘዞ።


ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ንሴኬም ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሰርሓ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። ንኣኣ ሓዲጉ ኸዓ ንጵንኤል ሰርሓ።


“ሰባት ንኣይ ሰሚዖም በትዕግስቲ ተፀበዩ፤ ምኽረይ ንምድማፅውን ስቕ በሉ።


ድሕሪ ቓለይ ሓደኳ ኣይመለሱን፤ ዘረባይ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጠብጥብ ነበረ።


ልቢ ሰብ፥ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ልዕል ይብል፤ ትሕትና ድማ ንኽብረት ትቕድማ።


ነዝ ዅሉ ኢደይ እያ ዝገበረቶ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብኣይ ኮይኑ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግና ናብ ትሑትን፥ ዝተሰበረ መንፈስ ናብ ዘለዎን፥ ብቓለይውን ናብ ዝንቅጥቀጥ ሰብ እየ ዝምልከት።


ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፥ ርእሲ ደማስቆ ኸዓ ረኣሶን እዩ። ኣብ ውሽጢ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ክሰባበር እዩ፥ ህዝቢ ኣይኸውንን።


ብመጠን ኣብዚሐ ዝፀዋዕኽዎም ከዓ ኻባይ ረሓቑ፤ ንሳቶም ንበዓሊም ሰውኡ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታት ከዓ ዓጠኑ።


ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ፈተውታ፥ ሓፍረታ ኽቐልዓ እየ፤ ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ድማ፥ ሓደ እኳ የለን።


ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።


“ንባዕላቶም ነገስታት ኣንገሱ፤ ንኣይ እንተይጠየቑ ኣሕሉቕ መረፁ፤ ኣነ ኣይፈለጥኩን፤ መጥፍኢኦም ዝኸውን ብብሩሮምን ብወርቆምን፥ ንባዕላቶም ጣዖታት ሰርሑ።


እቶም ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ከዓ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ።


ስም እቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዙይ እዩ። ሙሴ ንኣውሴ ወዲ ነዌ፥ ኢያሱ ኢሉ ሰመዮ።


ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥


ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”


ብሰንኪ ሓደ ሰብ፥ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፤ ብምኽንያት ሓጢኣትውን ሞት መፀ፤ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፥ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ተሓላለፈ።


ሓደ፥ ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ።


እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ዅሉ እስራኤል ልዕል ልዕል ከብለካ ኽጅምር እየ።


ሰብ ኤፍሬም ድማ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ፃፎን መፁ። ንዮፍታሔ ኸዓ “እቲ ምስ ደቂ ኣሞን ክትዋጋእ ክትሓልፍ እንተለኻስ፥ ምሳኻ ኽንከይድ ንኣና ዘይፀዋዕኻና ስለ ምንታይ ኢኻ? ንገዛኻ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኽነንድዳ ኢና” በልዎ።


ሰብ ኤፍሬም ድማ “እቲ ምስ ምድያማውያን ክትዋጋእ ኽትከይድ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ዘይፀዋዕኻና? ንምንታይከ ኸምዙይ ገበርካና?” በልዎ። ኣበርቲዖምውን ተፃልእዎ።


ሳሙኤል ድማ “ንስኻ ንርእስኻ ንእሽተይ ጌርካ እንተ ገመትካያኳ፥ ሓለቓ ነገዳት እስራኤል ኮንካ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብአካ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos