Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ሆሴዕ 12:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኣብ ከርሲ እኖኡ እንተሎ ዅርኵሮ ሓዉ ሓዘ፤ ምስ ጐበዘ ኸዓ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ሆሴዕ 12:3
14 Referencias Cruzadas  

ድሕሪዙይ ድማ ሓዉ ተወለደ። ኢዱ ኸዓ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት። ስለዙይ ስሙ ያእቆብ ተብሃለ። ንሳ ኽትወልዶም እንተላ ኸዓ፥ ይስሓቅ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።


ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብእስራኤል የመና ተቘጥዐ፤ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም። ነገድ ይሁዳ ጥራሕ በይና ተረፈት።


እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ሓደጎም፤ ኣዋረዶም፤ ካብ ገፁ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸዓ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሃቦም።


እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል፥ ከምቲ ብዅሎም ባሮቱ ነቢያት ተዛሪብዎ ዝነበረ ኻብ ቅድሚኡ ደርበዮም። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ ብኣሶራውያን ተማረኹ።


“ስለዙይ ምሳኻትኩም ክከራኸር እየ፤ ምስ ደቂ ደቅኹምውን ክከራኸር እየ ይብል እግዚኣብሄር።”


“ሕዚ መወዳእታ ኣባኺ መፀ፤ ቍጥዓይ ድማ ኽሰደልኪ፥ ከም መንገድኺ መጠን ክፈርደኪ፥ ኵሉ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ።


“ሕዚ ብቕልጡፍ ቍጥዓይ ክኽዕወልኪ፥ ሕነ ቝጥዓይ ከዓ ኽወፀልኪ፥ ከም መጠን መንገድኺ ድማ ኽፈርደኪ፥ ንዅሉ ርኽሰትኪ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርዶ እየ።


ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።


እቶም ካህናትውን ካብቶም ህዝቢ ዝተፈለዩ ኣይኮኑን። ንዅሎምውን ከም መጠን ኣካይዳኦም ክቐፅዖም እየ። ከም ስራሓቶምውን ክኸፍሎም እየ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።


እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፤ ምስ እስራኤልውን ሙግት ኣለዎ እሞ፥ ኣቱም እምባታት፥ ንስኻትኩምውን ኣቱም ፅኑዓት መሰረት ምድሪ፥ ክርክር እግዚኣብሄር ስምዑ።


ካብ ሕርየት እምበር፥ ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፥ እቲ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመስረተ ምእንቲ ኽገሃድ፥ እቶም ህፃናት ገና እንተይተወለዱ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ እንተይገበሩ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos