4 ኣነ ብናይ ሰብ ገመድ፥ ብናይ ፍቕሪ መእሰሪ ናባይ ሰሓብክዎም፤ ነቲ ኣርዑትውን ካብ ክሳዶም ኣልዓልኩሎም፤ ዝብላዕውን ኣቕረብኩሎም።”
ኣነ ኣቦ ክኾኖ፥ ንሱ ድማ ወሉድ ክኾነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸዓ ኸምቲ ሰብ ዝቐፅዐሉ ጨንገርን ደቂ ሰብ ብዝቐፅዑሉን ክግስፆ እየ።
ለመኑ ብርንሂጎታት ድማ ኣምፅአሎም፤ ብሕብስቲ ሰማይውን ኣፅገቦም።
ሙሴ ኸዓ “እግዚኣብሄር እቲ ኻብ ግብፂ ኸውፅአኩም እንተለኹ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝመገብኩኹም እንጀራ ምእንቲ ኽሪኡስ፥ ካብቲ መና ሓደ ምሸ መሊእኹም ንውሉድ ወለዶኹም ዕቘርዎ ኢሉ ኣዚዙ እዩ” በሎም።
ሰሓበኒ እሞ ደድሕሬኻ ኽንጐዪ ኢና፤ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኚኡ ኣእተወኒ፤ ብኣኻ ኽንሕጐስን ደስ ክብለናን እዩ፤ ሕልፊ ወይኒ፥ ንፍቕርኻ ንሓስብ ኢና፤ ብቕንዕና እየን ዝፈትዋኻ።
ኣብ ኵሉ መከራኦም ተጨነቐ፤ መልኣኽ ገፁ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተቤዘዎም፤ ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ኣልዓሎምን ተሸከሞምን።
ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።
ምእንቲ ባሮቶም ከይትኾኑ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ኣርዑት ባርነትኩም ድማ ሰበርኩ፤ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ከም እትኸዱ እውን ገበርኩኹም።
ኣነ ድማ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፥ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።”
ሓደ፥ ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም፤ ምስኡ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይነበረን።”
ጠስሚ ላሕምን ፀባ በጊዕን ምስ ስቡሕ ማጕላን፥ ማጓሉ ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፥ ካብ ደም ኣስካል ከዓ ወይኒ ኣስተዮ።”