2 ብመጠን ኣብዚሐ ዝፀዋዕኽዎም ከዓ ኻባይ ረሓቑ፤ ንሳቶም ንበዓሊም ሰውኡ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታት ከዓ ዓጠኑ።
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ኣብ ቤቴል ንደቂ እስራኤል በዓል ገበረሎም። ክዓጥን ድማ ናብቲ ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ።
ሕዚ ኸዓ ልኢኽካ ንዅሉ እስራኤልን ነቶም ኣብ ማእዲ ኤልዛቤል ዝበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነቢያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነቢያት ኣስታተርን ናባይ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣክበለይ” በሎ።
ግና ብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፤ ብኢድ ነቢያትካ ብመንፈስካ መስከርካሎም፤ ንሳቶም ግና ኣእዛኖም ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ሃገራት ኣህዛብ ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
ኣብ እምባታት ዕጣን ዓጠኑ፤ ኣብ ኰረብታታትውን ንኣይ ፀረፉኒ። ስለዙይ በቲ ዝገበርዎ ኽቐፅዖም፥ ኣብ ሕቝፎምውን ክሰፍረሎም እየ።”
ህዝበይ ግና ንኣይ ረሲዑኒ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ይዓጥን ኣሎ፤ ካብቲ ክኸደሉ ዝግብኦ መንገዲ ተሰናኺሉ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ መንገዲ ሓዲጉ፥ በቲ ዘይተፀርገ ቐይናን መንገዲ ይኸይድ ኣሎ።
ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ኣይሓደጉን፥ ካብ ክፍኣቶምውን ኣይተመለሱን፥ ኣይተኣዘዙንውን፤ ኣእዛኖም ከዓ ፅን ኣየበሉን።
ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”
ብምኽንያት እተን በዓል ንዝተብሃሉ ጣዖታት ዕጣን ዝዓጠነትለን መዓልቲታት ክቐፅዓ እየ፤ ንኣይ ረሲዓ ብቐለቤታን ብሽልማታን ኣጋይፃ፥ ደድሕሪ ፈተውታ እናሰዓበት፥ ንኣይ ግና ረሲዓትኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣብ ርእሲ እምባታት ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ኾረብታታት፥ ኣብ ትሕቲ ፅቡቕ ፅላል ዘለዎ ኣውሕን ስየን ፅሕድን፥ ዕጣን ይዓጥኑ። ስለዙይውን ኣዋልድኩም ይምንዝራ፤ መራዑትኩም ድማ ይዝምዋ።
ኤፍሬም ምስ ጣዖታት ሓቢሩ እዩ እሞ ሕደግዎ።
ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ።
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መፀ፤ ሰባት ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ብርሃን ፀልማት ፈተዉ።
“ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ፥ ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገረዘ፤ ንስኻትኩምውን ከም ኣቦታትኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ትቃወምዎ ኣለኹም።
ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ግብሪ ገበሩ፤ በዓሊምን ኣስታሮትን ንዝበሃሉ ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ከምኡውን ንኣማልኽቲ ሶርያን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ኣሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣምለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ፤ ናብኡ ምስጋድውን ገደፍዎ።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሓዲጎም በዓልን ኣስታሮትን ተብሂሎም ንዝፅውዑ ኣማልኽቲ ሰገዱ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ዝኾነ ነገር ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ ነቶም በዓሊምን ኣስታሮትን ዝበሃሉ ጣዖታት ኣምለኹ።