8 እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም።
ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ፥ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት እንትመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከዓ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ።
ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ መሰውኢ፥ ኣታ መሰውኢ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ‘ንቤት ዳዊት ኢዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኽውለደላ እዩ። ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ንዝተሰርሐ ንናይ ኣህዛብ መሰውኢ ኣገልገልቲ ኾይኖም መስዋእቲ ንዘቕርቡልካ ኻህናት፥ ኣብ ልዕሌኻ ኽስውኦምን ነዕፅምቲ ሰባትውን ከቃፅለልካ እዩ’ ” ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ዓው ኢሉ ኣድመፀ።
እዝ ሓጢኣት እዙይ ከዓ ንመንግስቲ ኢዮርብዓም ኣውደቓ፤ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ከም እትጠፍእ ገበራ።
ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ከዓ ዘሕጥኦምን፥ ንእስራኤል ክድርብዮም እዩ” በላ።
ንጉስ ኢዮስያስ ነቲ ኣብ ቤቴል ኣብቲ በሪኽ ዝነበረ መምለኽን መሰውኢን ኣፍረሶ። እዝ መሰውኢ እዙይ እቲ ንእስራኤል ናብ ሓጢኣት ዝመርሖም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ዝሰርሖ ነበረ። ነቲ ኣእማኑ ኣድቂቑ፥ ከም ሓመድ ገበሮ። ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣቃፀሎ።
እዝ ዅሉ ምስ ተፈፀመ፥ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ኸዱ እሞ፥ ነቲ ኣዕምዲ ጣዖት ሰባበርዎ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን፤ ነቲ ኣብ ኵሉ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ዘሎ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፈራረስዎ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፥ ናብ ከተማታቶም ተመለሱ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።
ኣብ ምድሪ ህዝበይ፥ ኣብታ ሕጕስቲ ኸተማ ዘለዋ ዝሕጐሱለን ዝነበሩ ኣባይቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ክበቍል እዩ።
እሾዅ ኣብ ኣደራሻታ፥ ኣምዐን ኳዂቶን ከዓ ኣብ ዕርድታታ ኽበቍል እዩ፤ ሰፈር ወኻሩን መውዓሊ ሰገንን ክትከውን እያ።
ልባቶም ተመቐለ፤ ሕዚ እውን በደሎም ክስከሙ እዮም። ንሱ ንመሰውኢታቶም ከፈራርሶ ንሓወልትታቶምውን ክሰባብሮ እዩ።
እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም።
ኦ እስራኤል ካብ ዘመን ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ሰራሕኻ፤ ንሳቶም ኣብኡ ፀንዑ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ደቂ ገበርቲ ኽፉእ ዝኾነ ውግእ፥ ኣብ ጊብዓ ኣየርክቦምን ድዩ?
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ንመንገድኺ ብእሾዅ ኽሓፅሮ እየ፤ መንገድታት ከይትረክብ ከዓ ንዙርያኣ ብመንደቕ ክሓፅሮ እየ።
ኣብ ርእሲ እምባታት ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ኾረብታታት፥ ኣብ ትሕቲ ፅቡቕ ፅላል ዘለዎ ኣውሕን ስየን ፅሕድን፥ ዕጣን ይዓጥኑ። ስለዙይውን ኣዋልድኩም ይምንዝራ፤ መራዑትኩም ድማ ይዝምዋ።
“ኣታ እስራኤል ንስኻ እንተመንዘርካ ይሁዳ ኣይበድል፤ ንስኻትኩምውን ናብ ጌልገላ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤት ኣዌንውን ኣይትደይቡ፤ ‘ህያው እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ከዓ ኣይትምሓሉ።
ኣብ ጊብዓ ቀርኒ፥ ኣብ ራማ ኸዓ መለኸት ንፍሑሞ፤ ካብ ቤትኣዌን “ኣታ ብንያም፥ ብድሕሬኻ” ኢልኩም ኣእውዩ።
“ኦ ሰማርያ ምራኽ ጣዖትኪ ደርብዪ፤ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ነዲዱ እዩ፤ ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘይነፅሁ?
እንሆ፥ ካብ ጥፍኣት ሃዲሞም ከዱ፤ ግብፂ ድማ ኽትእክቦም እያ፤ ሜምፎስውን ክትቀብሮም እያ። ነቲ ኽቡር ብሩሮም ኣምዐ ይወርሶ፤ ኣሜከላውን ኣብ ውሽጢ ድንኳናቶም ይበቍል።
ንመሸጎሪ ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፤ ነቶም ነበርታውን ካብ ለሰ ኣዌን ከጥፍኦም እየ፤ ነቲ በትሪ ዝሓዘ ድማ፥ ካብ ቤት ኤደን ከጥፍኦ እየ፤ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኾም ናብ ቂር ክኸዱ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
“በታ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ዝቐፅዐላ መዓልቲ፥ ንመሰውኢታት ቤቴልውን ክብቀሎ እየ። እቶም ኣቕርንቲ መሰውኢ ድማ ኽስበሩ እዮም፤ ናብ ምድሪ እውን ክወድቁ እዮም።
ናይ ይስሓቅ መምለኺ ዀረብታታት ክዓንዉ እዮም። መቕደስ እስራኤል ክፈርስ እዩ። ኣነውን ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዮርብዓም፥ ብሰይፊ ኽለዓል እየ” በለ።
እቶም ‘ኣታ ዳን ኣምላኽካ ህያው እዩ’ ወይ ‘መንገዲ ቤርሳቤህ ህያው እዩ’ እናበሉ ብሓጢኣት ሰማርያ ዝምሕሉ ኽወድቁ እዮም፤ መሊሶምውን ኣይትስኡን እዮም።”
ኣቲ ኣብ ላኪሶ እትነብሪ፥ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ፅመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ንጓል ፅዮን ናይ መጀመርያ ሓጢኣት ነበረት።
እዝ ዅሉ፥ ብሰንኪ በደል ያእቆብን፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ? ሰማርያዶ ኣይኮነትን? በረኽቲ መስገዲ ይሁዳ እንታይ እዩ? ኢየሩሳሌምዶ ኣይኮነትን?
ንስኺ ድማ ኽትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትዋረዲ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ድማ ኢኺ፤ ካብ ፀላኢ እትሃድምሉ ዕሩድ ቦታውን ኽትደልዪ ኢኺ።
በቲ ጊዜ እቱይ ‘ንእምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ንዀረብታታትውን ከውሉና፥ ምባል ክጅምሩ እዮም።’
ነቲ ዝሰራሕኹምዎ ግብሪ ሓጢኣትኩም ዝኾነ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣቃፀልክዎ። ሽዑ ቐጥቂጠ ኸም በነንታ ኽሳዕ ዝኸውን ጠሓንክዎ፤ ነቲ በነንታውን ናብቲ ኻብ እምባ ዝወርድ ሩባ በተንክዎ።
ንእምባታትን ነኻውሕን ድማ፥ “ካብ ገፅ እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ካብ ቍጥዓ እቲ በጊዕን፥ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰባት ንሞት ይደልዩዋ፤ ግና ኣይረኽብዋን እዮም፤ ሙማትውን ክምነዩ እዮም፤ ሞት ግና ኻብኣቶም ክሃድም እዩ።