6 እቲ ጣዖት፥ ነቲ ዓብዪ ንጉስ ኢያሪም ውህብቶ ክወሃብ፥ ናብ ኣሶር ክውሰድ እዩ። ኤፍሬም ሕፍረት ክሕዞ እዩ፤ እስራኤልውን ብምኽሩ ክሓፍር እዩ።
ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ተዋግኦ፤ ሆሴዕ ኸዓ ግዙኡ ኾይኑ ግብሪ ገበረሉ።
ሓይሊ ስጕምቱ ትፀብብ፤ ምኽሩውን ተውድቖ።
ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም።
ግና ሓይሊ ፈርዖን መነወሪኹም፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ግብፂ ምፅጋዕኹም ድማ ፀርፊ ክኾነኩም እዩ።
እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም፥ ክሓፍሩን ክዋረዱን እዮም።
ሽዑ ኸምቲ ህዝቢ እስራኤል፥ ይእመንዎ ብዝነበሩ ቤቴል ከም ዝሓፈሩ፥ ሞኣባውያን ከዓ ኸምኡ ብካሞሽ ክሓፍሩ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።
“ኣይፀገብክን እሞ፥ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ፤ ምስኣቶም ድማ ዘሞኺ፤ ኣይፀገብክንውን።
ሽዑ ነቲ እኩይ መንገድታትኩምን፥ ነቲ ዘይሰናይ ተግባርኩምን ክትዝክሩ፥ ብሰንኪ ሓጢኣትኩምን ፅያፍኩምን ከዓ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።
ንኣማልኽቶም፥ ምስ ናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፥ ምስቲ ኽቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑኦም ማሪኹ፥ ናብ ግብፂ ኽወስዶ እዩ። ንቑሩብ ዓመታት ከዓ፥ ምስ ንጉስ ሰሜን እንተይተዋግአ ኽቕመጥ እዩ።
ንፋስ ብኣኽናፋ ኣሲርዋ፤ ንሳቶምውን ካብ መስዋእቶም ዝተልዓለ ኽሓፍሩ እዮም።
“ብዝበዝሑ መጠን ኣብ ልዕለይ ዝገብርዎ ሓጢኣት በዚሑ ኣሎ። ኣነ ድማ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ እየ።
“ኤፍሬም ሕማሙ፥ ይሁዳውን ቍስሉ ምስ ረአየ፥ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፤ ናብ ንጉስ ኢያሪምውን ልኡኽ ለኣኸ፤ ግና ንሱ ኸድሕነኩም፥ ቍስልኹምውን ክፍውስ ኣይከኣለን።
እዙይ ከዓ ኻብ እስራኤል እዩ፤ እዝ በዓል ኢድ ዝሰርሖ ምስሊ ምራኽ፥ ኣምላኽ ኣይኮነን፤ ተሰባቢሩ ኽደቅቕ እዩ።
ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”