2 እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።
ግና ኣሰር ነገስታት እስራኤል ስለ ዝሰዓብካ፥ ከምቲ ንጉስ ኣክኣብን ብድሕሪኡ ዝነገሱን ንህዝቢ እስራኤል ከም ዘመንዝሩ ዝገበርዎም፥ ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ብኣመንዝራነት ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዘስሓትካዮም፥ ነቶም ካባኻ ዝሐሹ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፥
ብተግባራቶም ረኸሱ፤ ብግብሮምውን ኣመንዘሩ።
እንሆ፥ እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ኽጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ካባኻ ርሒቆም ዘመንዝሩ፥ ኣጥፋእኻዮም።
ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።
ከመይ ኢልኪ ኢኺ “ኣይረኸስኩን፤ ንጣዖት በዓልውን ኣይተኸተልኩን” ትብሊ ዘለኺ? ኣብቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር መንገድኺ ተመልከቲ፤ ዝገበርክዮውን ዘክሪ፤ ንስኺ ኸምታ ኣብዙይን ኣብቱይን፥ እትፋንን ግመል ኮንኪ።
ብቕለት ምንዝርናኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፤ ምስ እምንን ምስ ኦምን ከዓ ዘመወት።
እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም።
ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ እያ፥ ግና ኣይተርክቦምን፤ ክትደልዮም እያ፥ ግና ኣይትረኽቦምን። ሽዑ ንሳ “ካብ ሎሚ ቕድም ይሕሸኒ ነይሩ እዩሞ፥ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ” ኽትብል እያ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “መሊስካ ኺድ እሞ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን፥ ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮም፥ ንስኻውን ንሓንቲ ብኻልእ ሰብኣይ ዝተፈትወት ሰበይቲ ፍቶ” በለኒ።
ኣታ ኤፍራታ ንስኻ ሕዚ መንዚርካ፤ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩሞ፥ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፤ እስራኤልውን ካባይ ኣይተሰወረን።”
ናይ ወዲ እግዚኣብሄር ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል መጀመርታ እዙይ እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብድሕሬኻ ኸዓ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠልሙኒ እዮም፤ ደድሕሪ እቶም ኣማልኽቲ ናይታ ዝኣትዉዋ ዘለዉ ምድሪ ኽስዕቡ እዮም። ንኣይ ክሓድጉኒ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን እውን ከፍርስዎ እዮም።
ዝሙት ዝመልኣ፥ ካብ ሓጢኣት ከዓ ዘየቋርፃ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፤ ነተን ብእምነት ዘይፀንዓ ነፍሳት፥ ይሓብልወን፤ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገምውን እዮም።
ኣብ ግምባራ ድማ “እታ ዓባይ ባቢሎን፥ እኖ ኣመንዝራታትን፥ እኖ ርኽሰት ምድርን” ዝብል፥ ብምስጢር ዝፍለጥ ስም፥ ተፅሒፉ ነበረ።