11 ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን ዓባይ መዓልቲ ኽትከውን እያ።
ብቐደሙውን፥ ብመዓልቲ ሓይሊ ብቅዱሳን ብርሃን፥ ቅድሚ ኮኸብ ፅባሕ ካብ ከርሲ ወለድኩኻ።
መራሒኦም ካብኣቶም ክኸውን እዩ፤ ገዛኢኦም ከዓ ኻብ ማእኸሎም ክትስእ እዩ፤ ናባይ ከቕርቦ እየ፤ ንሱውን ክቐርበኒ እዩ፤ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ደፊሩ ዝቐርብ መን እዩ? ይብል እግዚኣብሄር።
እንሆ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን፥ ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ክመልሶም እየ፤ ንሳቶምውን ክወርስዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”
ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
እንሆ፥ ካብቲ ዅሉ ብቝጥዓይን ብዓብዪ መቕሰፍተይን ዝሰጐጕክዎም ክእክቦም እየ፤ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ኽመልሶም፥ ብሰላምውን ከንብሮም እየ።
ንእስራኤልውን ናብ መውፈሪኡ ኽመልሶ እየ፤ ኣብ እምባ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን፥ ክዋፈር እዩ፤ ሰብነቱውን ኣብ እምባ ኤፍሬምን፥ ኣብ ገለዓድን ክትፀግብ እያ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሕዚ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፥ ንዅላ ቤት እስራኤል ከዓ ኽምሕራ፥ ስለ እቲ ቕዱስ ስመይ ድማ ኽቐንእ እየ።
ስለዙይ ነሕዋትኩም “ዓሚ” ነኣሓትኩም ድማ “ሩሃማ” ኢልኩም ፀውዕዎም።
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?