3 ድሕሪ እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ንንየው ዘላ ኽፍሊ ድማ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ትብሃል ነበረት።
ንውሻጠ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኻብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕለዋይ መንደቕ ዕስራን ትሽዓተን ሜትር ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ፤ እዝ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ውሽጣዊ ኽፍሊ ናይቲ ቤተ መቕደስ እዩ።
እቶም ካህናት ድማ፥ ነቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፥ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ።
ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ሃርን ልሕፂ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረ፤ ምስሊ ኪሩቤል ከዓ ጠለፈሉ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ድንኳን ኣእተዎ፤ ነቲ ዝጋረድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ጋረዶ።
ነቲ ታቦት ኪዳን ኣብኡ ኣንብሮ፤ መጋረጃ ጌርካ ኸዓ ጋርዶ።
ኣብ ልዕሊ እዝ እምባ እዙይ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ዝተዘርግሐ መጋረጃን ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ዘጐልበበ መሸፈንን ከጥፍኦ እዩ።
ነቲ ቕድሚ መቕደስ፥ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ዕስራ እመት ኣመቶ፤ “እዚኣ እታ ቅድስተ ቅዱሳን እያ” ኸዓ በለኒ።
እቲ ሰፈር እንትለዓል፥ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ነቲ ዝጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፤ ነቲ ታቦት ኪዳን ከዓ ብእኡ ይኽደንዎ።
እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ፤ ምድሪ ተናወፀት፤ ኣኻውሕ ድማ ተጨደዱ።
እዛ ተስፋ እዚኣ፥ ድልድልትን ፅንዕትን ዝኾነት፥ ናይ ህይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ሓሊፋ፥ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበፅሕውን እያ።
ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።
እታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ድንኳን ቆይማ ኽሳዕ ዘላ፥ እቲ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ዘእቱ መንገዲ፥ ገና ኸም ዘይተገለፀ መንፈስ ቅዱስ የርኢ ኣሎ።