1 እምበኣር እቲ ኽንብሎ ዝደለና ቑም ነገር እዙይ እዩ፦ ንሕናስ ኣብ ሰማያት፥ ኣብ የማን ዙፋን ልዑል እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ ሊቀ ካህናት ኣለና።
ኦ ጐይታይ! ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ናትካ እዩ፤ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማንውን ናትካ እዩ። ኦ ጐይታይ! እታ መንግስቲ ድማ ናትካ እያ፤ ኣብ ርእሲ ዅሉ ልዕል ልዕል በልካ።
ወርቂ ዝመስል ብርሃን ብወገን ሰሜን ይወፅእ፤ ኣምላኽ ከዓ ብዘፍርሕ ግርማኡ ተኸቢቡ ኣሎ።
ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ንስኻ የመና ዓብዪ ኢኻ፤ ግርማን ክብርን ለበስካ።
ጐይታ፥ ንጐይታይ “ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።
ሓይልኻን ክብሪ መንግስትኻን፥ ንደቂ ሰባት ምእንቲ ኸፍልጡ እዩ።
ብምድሓንካ ኽብሩ ዓብዪ እዩ፤ ክብርን ምስጋናን ወሰኽካዮ።
እዚኣቶም ድምፆም ኣልዒሎም፥ ዕልል ክብሉ እዮም፤ ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ፤
ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን፥ ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን፥ ንመጓሰኡ ክጓስየን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንሳቶምውን ክነብሩ እዮም።
ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሄርውን ተቐመጠ።
ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ፥ ምእንታኡ ኸምቲ ዝግብአኒ፥ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ፀልዩለይ።
እምበኣር ምስ ክርስቶስ፥ ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐሚጥዎ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።
እግዚኣብሄር ካብ መላእኽቲ፦ “ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ ንሓደኳ የለን።
ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
ክርስቶስ ግና፥ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸውን መስዋእቲ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።
ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ።
እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ።
እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና፥ እምነትና ኣፅኒዕና ንሓዝ።
ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’