3 መልከ ፄዴቅ፥ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሃረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ህይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ካህን ኮይኑ ይነብር።
ደቂ ቀዓት ድማ እንበረም፥ ይሰዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም። ቀዓት ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ።
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ንዅሉ ህዝቢ ኣከብዎ። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤቶም፥ በብሓደ በብስሞም ተቘፂሮም ተፅሓፉ።
እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ።
እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና፥ እምነትና ኣፅኒዕና ንሓዝ።
መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ሳሌም ንጉስን፥ ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ካህንን ነበረ። ኣብርሃም ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ፥ መልከ ፄዴቅ ተቐቢሉ ባረኾ።
ኣብርሃም ድማ፥ ካብቲ ዅሉ ዝማረኾ ኣስራት ሃቦ። ቅድም ትርጕም ስሙ “ንጉስ ፅድቂ” ማለት እዩ፤ ደሓርውን “ንጉስ ሳሌም” እዙይ ድማ “ንጉስ ሰላም” ማለት እዩ።
መልከ ፄዴቅ ግና፥ ካብ ሌዊ እኳ እንተ ዘይተወለደ፥ ካብ ኣብርሃም ኣስራት ተቐበለ፤ ንሱውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣብርሃም ባረኾ።