1 መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ሳሌም ንጉስን፥ ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ካህንን ነበረ። ኣብርሃም ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ፥ መልከ ፄዴቅ ተቐቢሉ ባረኾ።
ናብቲ ዝረድአኒ እግዚኣብሄር፥ ናብ ልዑል እግዚኣብሄር አእዊ ኣለኹ።
ድንኳኑ ኣብ ሳሌም፥ መሕደሪኡውን ኣብ ፅዮን እዩ።
ረዳኢኦም እግዚኣብሄር፥ መድሓኒኦምውን ልዑል እግዚኣብሄር ምዃኑ ዘከሩ።
ግና ንልዑል እግዚኣብሄር ፈተንዎን ኣቘጥዑዎን፤ ንምስክሩውን ኣይሓለዉን።
እቲ ልዑል እግዚኣብሄር ዝገበረለይ፥ ተኣምራትን ዘደንቕ ስራሕን ክነግር ፅቡቕ ኮይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።
“ኦ ንጉስ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ናቡከደነፆር፥ መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ።
ጐይታ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸም ዝሸመሉ ኽሳዕ ዘስተውዕል፥ ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐጐ፤ ልቡ ኸዓ ኸም ናይ እንስሳ ኾነ፤ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።”
ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽቐርብ? ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ? ዝቃፀል መስዋእትን ምራኽ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመፅእ?
“ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ።
ንሳ ኸዓ ደድሕሪ ጳውሎስን ደድሕሬናን እናሰዓበት “እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ኣገልገልቲ ልዑል እግዚኣብሄር እዮም፤ መንገዲ ምድሓን ይምህሩኹም ኣለዉ” እናበለት፥ ዓው ኢላ ትዛረብ ነበረት።
ኢየሱስ ድማ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ፥ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ እዩ።
ኣብርሃም ድማ፥ ካብቲ ዅሉ ዝማረኾ ኣስራት ሃቦ። ቅድም ትርጕም ስሙ “ንጉስ ፅድቂ” ማለት እዩ፤ ደሓርውን “ንጉስ ሳሌም” እዙይ ድማ “ንጉስ ሰላም” ማለት እዩ።
መልከ ፄዴቅ፥ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሃረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ህይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ካህን ኮይኑ ይነብር።
መልከ ፄዴቅ ግና፥ ካብ ሌዊ እኳ እንተ ዘይተወለደ፥ ካብ ኣብርሃም ኣስራት ተቐበለ፤ ንሱውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣብርሃም ባረኾ።