3 ስራሕ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምፍጣር ዓለም ተወዲኡ እንተ ነበረ እኳ፥ እቲ ፅሑፍ “ናብቲ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም፤ ኢለ ብቝጥዓይ መሓልኩ” ኸም ዝብል፥ ንሕና እንኣምን ግና፥ ናብ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ኢና።
እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።
ስለዙይ “ናብ ዕረፍተይ ከይኣትዉ፥ ብቝጥዓይ መሓልኩ።”
እግዚኣብሄር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ፈጢሩ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕሪፉ እዩሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻ፤ ቀደሳውን።
“ንሱ ግና እዚኣ እያ ዕረፍቲ፤ ንዝደኸመ ኣዕርፍዎ፤ እዚኣ እያ ቅሳነት” ኢልዎም ነይሩ፤ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።
ነቶም ኣባይ ዝዓመፁን ዝኸድዑን፥ ካባኻትኩም ክፈልዮም፥ ካብቲ ጓና ኾይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከዓ ኸውፅኦም እየ፤ ግናኸ ናብ ምድሪ እስራኤልስ ኣይኣትዉን እዮም፤ ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝተዳለወልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ።
ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።
ብቝጥዓይ ድማ፥ ‘ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም’ ኢለ መሓልኩ።”
ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።
ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።
ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተፈልጠ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና፥ ምእንታና ተገሊፁ እዩ።