Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዕብራውያን 4:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም፥ ንኣናውን ብስራት ተሰቢኹልና እዩሞ፤ እንተ ኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፥ ብእምነት ስለ ዘየዋሃድዎ ኣይጠቐሞምን።

Ver Capítulo Copiar




ዕብራውያን 4:2
20 Referencias Cruzadas  

ጳውሎስን በርናባስን ከዓ ተቢዖም፥ ከምዙይ እናበሉ ተዛረቡ፦ “ቃል እግዚኣብሄር፥ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣበኹምዎን፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም፥ ባዕልኻትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፥ እንሆ ገፅና ናብ ኣህዛብ ንምልስ ኣለና።


እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”


ግርዘት እትጠቅም፥ ሕጊ እንተ ሓሊኻ እያ፤ ሕጊ እንተ ጥሒስካ ግና፥ እታ ግርዘት፥ ከም ዘይምግራዝ ኽትኮነካ እያ።


ካብኣቶም ዘይኣምኑ እንተ ሃልዮምከ፥ እቲ ናታቶም ዘይምእማን፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተኣማንነትዶ ኸንቱ ይገብሮ እዩ?


ኵሉ ገንዘበይውን ንድኻታት እንተ ዓደልኩ፥ ሰብነተይ ብሓዊ ንምቅፃል ኣሕሊፈ እንተ ሃብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ሓደኳ ኣይጠቕመንን እዩ።


ካባኻትኩም ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ኣላ፤ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኩም፥ ሕጊ ብምፍፃም ዲኹም ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ብምእማን?


መፅሓፍውን እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ብእምነት ከም ዘፅድቖም ኣቐዲሙ ሪኡ “ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም” እናበለ፥ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ወንጌል ኣብሰሮ።


ብመጀመርታ ጊዜ ወንጌል ዝሰበኽኩልኩም፥ ካብ ድኻም ስጋ ዝተልዓለ ኸም ዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም።


“ምስ እዝ ዅሉ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይኣመንኩምን።


እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን፥ ብምሉእ ምርዳእን እምበር፥ ብቓል ጥራሕ ኣይመፀኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል፥ ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።


ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና።


ሰብነት፥ ንኣካላዊ ብቕዓት ምልምማድ፥ ንቑሩብ ጊዜ ይጠቅም እዩ እሞ፤ ምልምማድ ፅድቂ ግና፥ ነዛ ሕዚ ዘላ ህይወት እዚኣን፥ ነታ እትመፅእን፥ ተስፋ ስለ ዘለዎ፥ ንዅሉ እዩ ዝጠቅም።


ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ዅሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ፥ እግዚኣብሄር ከም ዘሎን፥ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ፥ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ።


ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።


እምበኣር ኣብዛ ዕረፍቲ እዚኣ ዝኣትዉ ሰባት ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ቅድም ብስራት ዝሰምዑ ግና፥ ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ኣይኣተዉዋን።


ስለዙይ ንዅሉ ርኽሰትን፥ ነቲ በዚሑ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ኣርሕቑ፤ ነቲ ንነፍስኹም ከድሕን ዝኽእል፥ ኣብ ልብኹም ተዘሪኡ ዘሎ ቓል ድማ፥ ብቕንዕና ተቐበልዎ።


ኣምላኽ ከዓ፥ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም እምበር፥ ንባዕላቶም ከም ዘይኮነ ገለፀሎም። እዝ ነገራት እዙይ፥ በቲ ኻብ ሰማይ ዝተልኣኸ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፥ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት፥ ሕዚ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ፥ መላእኽቲ እውን ክሪእዎ ይምነዩ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos