12 ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን በትሪ ሓይሊ ኽልእኸልካ እዩ፤ “ኣብ ማእኸል ፀላእትኻውን ክትገዝእ ኢኻ።”
ምግላፅ ቃልካ ብርሃን ይህብ፤ ንህፃናት ድማ መስተውዓልቲ ይገብሮም።
ንስኻ ምቕማጠይን ምትስአይን ትፈልጥ፤ ንዅሉ ሓሳብ ልበይውን ገና ኻብ ርሑቕ ትፈልጦ።
ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም ይኹን፤ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ኣብ ኣእዳዎም እዩ፤
ኣታ ሓያል ብክብርኻን ብግርማኻን፥ ሰይፍኻ ኣብ ሕቘኻ ዕጠቕ።
መወዳእታኣ ግና ኸም ዕረ መሪር፥ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሰይፊ ኸዓ በሊሕ እዩ።
ቃላት ጠቢባን ከም መውግኢ ብዕራይ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብእኩባት መምህራን ኣፀቢቑ ዝተሸንከረ ሽንካራት እዩ፤ ብሓደ ጓሳ ኸዓ ዝተውሃበ እዩ።
ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።
ንኣፈይ ከም ዝተስሓለ ሰይፊ ገበሮ፤ ኣብ ፅላል ኢዱ ኸዓ ሓብአኒ፤ ከም ዝተስሓለ ፍላፃ ገበረኒ፤ ኣብ ሰገባኣውን ሓብአኒ፤
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃለይ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ፤ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ይፍፅም፤ ዝተልኣኸሉውን የስልጥ እምበር፥ ብኸንቱ ናባይ ኣይምለስን።”
ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”
ቃለይ ከም ሓዊን፥ ከምቲ ንኸውሒ ዘድቅቕ መዶሻንዶ ኣይኮነን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ናይዝ ምስላ እዙይ ትርጕም ከዓ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዘርኢ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ነቲ ነኣይ ዘይደሊ፥ ንቓለይውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣለዎ፤ እዝ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፥ ንሱ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ።
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
ሽዑ እዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ተነኽአ እሞ፥ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እንታይ ደኣ ንግበር?” በልዎም።
እናፀለዩ እንተለዉ፥ እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ተናወፀ፤ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ብትብዓት ተዛረቡ።
ንሳቶም ነዙይ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ፤ ንሃዋርያትውን ክቐትልዎም ደለዩ።
ኣብ ምድረ በዳ ምስቲ ማሕበርን፥ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና ዝተዛረቦ መልኣኽን፥ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፥ ናባና ንኸመሓላልፎ ድማ፥ ናይ ህይወት ቃል ዝተቐበለ፥ ንሱ ሙሴ እዩ።
ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ፤ ወንጌል ንዝኣምን ኵሉ፥ ቅድም ንኣይሁድ ደሓር ንኣህዛብ፥ ዘድሕን ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
ነቶም ፅዉዓት ግና፥ ኣይሁድ ኮኑ ግሪካውያን፥ ክርስቶስ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ፤ ጥበብ እግዚኣብሄርውን እዩ።
ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን።
እኳ ደኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ብገሃድ ነቕርብ እምበር፥ ብተንኰል ኣይተመላለስናን፤ ንቓል እግዚኣብሄርውን ኣይለወጥናን፤ ነቲ ብሕቡእ ዝግበር ነውራም ነገርውን፥ ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና።
ኵሉ ነገር እንተ ደኣ ናብ ብርሃን ቀሪቡ ግና፥ ይረአ፤ ኵሉ እቲ ዝረአ ብርሃን እዩሞ።
ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ፥
ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና።
ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፤ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፥ ብምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ኽርከብ ይተሓሎ።
ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመሃሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም፥ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።
ነቲ ሰናይ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሄርን፥ ሓይሊ ናይታ እትመፅእ ዓለምን ዝጠዓሙ፥
ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፥ ከም ፍቓዱ፥ ብቓል ሓቂ ወለደና።
ዳግም ዝተወለድኩም፥ ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር፥ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን።
ብየማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ነበሩ፤ ካብ ኣፉውን፥ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ፤ ገፁውን፥ ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ፀሓይ ነበረ።
ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።
እቶም ዝተረፉ ድማ፥ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠ ዝወፅእ ዝነበረ ሰይፊ ተቐተሉ። ኵለን ኣዕዋፍውን፥ ስጋኦም በሊዐን ፀገባ።
ስለዙይ ተነሳህ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ቀልጢፈ መፂአ፥ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም እየ።
ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።
ዙፋናትውን ረአኹ፤ ነቶም ኣብ ዙፋናት ዝተቐመጡ ኸዓ፥ ክፈርዱ ስልጣን ተውሃቦም። እዚኣቶም፥ እቶም ንኢየሱስ ብምምስካሮምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ብምብሳሮምን፥ ዝተሰየፉ እዮም። እዚኣቶም፥ ነቲ ኣራዊት ኮነ ንምስሉ ዘይሰገዱ፥ ኣብ ግምባሮም ኮነ ኣብ ኣእዳዎም፥ ማሕተሙ ዘይተቐበሉ እዮም። ንሳቶም፥ ህያዋን ኮይኖም፥ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።
ሽዑ ናዖድ ክልተ ዝኣፋ፥ እመት ዝምንዋሓ ሰይፊ ኣዳለወ፤ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሰለፉ ገበሮ።