10 እቲ ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ካብ ስራሑ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ስራሑ የዕርፍ እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ድማ ዅሉ ስራሑ ብሽዱሽተ መዓልቲ ፈፂሙ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ ስራሑ ኣዕረፈ።
ኢየሱስ ከዓ ነቲ መፂፅ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈፀመ!” በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱውን ሃበ።
ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
ክርስቶስ ግና፥ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸውን መስዋእቲ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
እምበኣር ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ።
ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።
ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ፃዕዳ ኽዳን ተውሃቦም፤ ቍፅሪ እቶም ከምኣቶም ክቕተሉ ዘለዎም፥ ብፆቶም ኣገልገልትን ኣሕዋቶምን፥ ክሳዕ ዝመልእ ኸዓ፥ ገና ንቑሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም።