Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዕብራውያን 2:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእኻሉ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ። ንዅሉ ኸግዝአሉ እንተሎ፥ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓደ እኳ ኣይሓደገን። ሕዚ ግና ዅሉ ገና ኸም ዝተገዝአሉ ኣይንርእን ዘለና።

Ver Capítulo Copiar




ዕብራውያን 2:8
19 Referencias Cruzadas  

“ኣነ ግና ኣብ ፅዮን ኣብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ንጉሰይ ሸምኩ።”


ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውካ ሸምካዮ፤ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዛእኻሉ።


ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።


ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤


ኢየሱስ፥ ኣብ፥ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀ፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ከም ዝኸይድ ፈሊጡ፥


ኣብ፥ ንወዱ የፍቅሮ እዩ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ኣብ ኢዱ ሃቦ።


መፅሓፍ “እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚኡሉ እዩ” ይብል፤ እንተ ኾነ፥ “ኵሉ ኣግዚኡሉ እዩ” ኽብል እንተሎ ግና፥ ነቲ ኸም ዝግዝኦ ንዝገበረ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከም ዘይምልከት ግሁድ እዩ።


እግዚኣብሄር ካብ መላእኽቲ፦ “ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ ንሓደኳ የለን።


ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና።


ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘለና እትመፅእ ዓለምስ፥ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን።


ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።


እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos