2 ነቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቓል፥ ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ኻብ ኮነ፥ ኵሉ ዝብድልን ዘይእዘዝንውን፥ ፍርዱ ዝቕበል ካብ ኮነ፥
ሰረገላታት እግዚኣብሄር ክልተ እልፊ፥ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዮም፤ ጐይታ ኣብ መቕደሱ ኣብ ሲና፥ ኣብ ማእኸሎም እዩ።
እቲ ስጋ ገና ኣብ ኵርምቶም እንተሎ እንተይሓየኽዎ ኸዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ነደደ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ወቕዐ።
ብዘይ እቶም ብሰንኪ ቆሬ ዝሞቱ፥ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኣትማን ናብቶም ህዝቢ ሰደደ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ነኸስዎም፤ ካብ እስራኤል ከዓ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ።
እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኾኑ።
ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ፥ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎ ኔርኩም፤ እንተ ኾነ ኣይሓለኹምዎን።”
ሕጊ ደኣ ንምንታይ መፀ? እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ዘርኢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ሓጢኣት እንታይ ከም ዝኾነ ኽገልፅ፥ ዝተወሰኸ እዩ። ብመላእኽቲ ኣቢሉ፥ ብኢድ እቲ ዓራቒ ዝኾነ እዩ ዝተውሃበ።
ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ተዓብዩ ምስማዕ ዝኣብዮ ሰብ ይቀተል። ከምዙይ ጌርኩም ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ።
“ካብ ማእኸልኩም ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ከተማታት፥ ኪዳኑ ብምፍራሱ፥ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገብር እንተ ተረኽበ፥
ሽዑ ነቲ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ነታ ሰበይቲ ኻብ ከተማታትኩም ኣውፂእኹም ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ።
ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክፍፅሞ ኢሉ ዘየፅንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፤ ዘረባይ ከዓ ኸም ዛዕዛዕታ ይውረድ፤ ከም ጥምቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፥ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ይውረድ።
እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብብዙሕ ዓይነትን ብብዙሕ መንገድን፥ ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና ተናጊርዎም ነይሩ፤
ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር፥ ብዘይ ምሕረት ይቕተል ነበረ።
እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ።
ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል፥ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘፀሮ።
ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ዅሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ፥ እግዚኣብሄር ከም ዘሎን፥ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ፥ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ።
እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?
ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
ንዅሉ ትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም እኳ፥ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፂኡ ኸም ዘድሓኖም፥ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ ከም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እፈቱ።