1 ስለዙይ ምእንቲ ኻብቲ ዝሰማዕናዮ ስሒትና ኸይንወድቕ፥ የመና ኽነቕልብ ይግብአና እዩ።
ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻዮ፥ ክቐንዐካ እዩ። ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበር።
መንእሰይ መንገዱ ብምንታይ የንፅህ? ቃልካ ብምሕላው እዩ።
ወደይ፥ ነዚኣተን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፤ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሓዘን።
እንሆ፥ ዘይናቶም መንበሪ ኽወርሱ፥ ኣብ ስፍሓት ምድሪ ዝኸዱ፥ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተስእ እየ።
ክንዲ ኽብሪ፥ ሕፍረት መሊኡካ ኣሎ፤ ንስኻውን ሰቲኻ ሰንደልደል በል፤ እቲ ፅዋዕ የማን እግዚኣብሄር ክምለሰካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻውን ሕፍረት ክኸውን እዩ።
ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? እቲ ሓሙሽተ እንጀራ፥ ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም?
ዓይኒ እንተለኩም ኣይትሪኡንዶ? እዝኒ እንተለኩምከ ኣይትሰምዑንዶ? ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም?
እቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝወደቐ ዘርኢ ድማ፥ ምስላ ናይቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም፥ ኣብ ቅኑዕን ፅቡቕን ልቢ ዝዕቅብዎን፥ ብትዕግስቲ እውን ፍረ ዘፍርዩን እዩ።
“ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ” በሎም።
ሽዑ ኽወቕዕዎ እምኒ ኣልዓሉ፤ ኢየሱስ ግና ተሰወረ። ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡውን ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኸልከለኩም ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።
“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም።
እቲ ኸም ውሉድ ገይሩ፥ ከምዙይ ኢሉ ዝምዕደኩም ቃል፥ ረሲዕኹምዎ ዲኹም? “ወደይ ተግሳፅ ጐይታ ኣይተቃልል፤ እንተ ቐፅዐካውን ተስፋ ኣይትቝረፅ፤
ኣነ ምስ ተፈለኹኹም፥ ነዝ ነገራት እዙይ፥ ክትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እፅዕር ኣለኹ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዛ ሕዚ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ኻልአይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን፥ ብሃዋርያት ዝረኸብኩምዎ፥ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ትእዛዝን እናዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ፥ ዝፅዕር ዘለኹ።