1 እምነት፥ ነቲ ብተስፋ እንፅበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዘረጋግፅ፥ ነቲ ዘይረአ ነገር ከዓ፥ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።
ናይ እግዚኣብሄር ሕያዋይነት ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ፥ እኣምን ኣለኹ።
ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።
ከምኡ ኸዓ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኽኣምኑ፥ ከም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም።
እምበኣር እምነት፥ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ፀኒዖም ይነብሩ፤ ካብዚኣቶም ዝዓቢ ግና ፍቕሪ እዩ።
ከምዙይ ኢለ ብትምክሕቲ ኽዛረብ እንተለኹ፥ ከም ዓሻ እምበር፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ።
እቲ ዝረአ ሓላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ንሕና ኸዓ ኣብቲ ዝረአ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይረአ ኢና እንጥምት ዘለና።
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ።
እዙይ ከዓ፥ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መፁ እሞ፥ ከይተዳለኹም እንተ ፀኒሕኹም፥ ብኣኻትኩም ብምምካሕና፥ ንሕና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንስኻትኩምውን ከይትሓፍሩ ኢለ እየ።
ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ።
ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።
ንሕና ግና ምስቶም ንድሕሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ዘይኮንናስ፥ ምስቶም ብእምነት ዝድሕኑ ኢና።
እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ሞቱ። ነታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎምውን ኣይረኸብዋን፤ ግና ብርሑቕ ሪኦም ተሳለምዋ፤ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም፥ ቅቡል ገይሮምዎውን ሓለፉ።
ነቲ ዘይረአ ስለ ዝረአየ ፀንዐ፤ ንቝጥዓ ንጉስ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብእምነት ንግብፂ ሓደጋ።
ኖህውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርኣየ ነገራት ተረዲኡ፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ቤተሰቡ ዝድሕኑላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ፅድቂ እውን ወረሳ።
ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድሕነት ሸለል ክንብል እንተለና፥ ከመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድሕነት፥ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊፁልና እዩ።
ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።
ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።
ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን፥ ነታ ተስፋ ዝወረሱ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፥ ሃካያት ክትኮኑ ኣይንደልን ኢና።
ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥