7 ብዛዕባ መላእኽቲ ኸዓ “ንመላእኽቱ ንፋሳት፥ ንኣገልገልቱውን ነበልባል ሓዊ ይገብሮም” ይብል።
ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ።
ሚክያስ ድማ “ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።
እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ።
ኤልሳዕ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ምእንቲ ኽርእስ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣዒንቲ እቲ ሓሽከሩ ኸፈተ እሞ ረአየ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ ኣብቲ ዀረብታታት ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነቲ ዀረብታ መሊኦምዎ ነበሩ።
ንመላእኽቱ መንፈስ፥ ንኣገልገልቱ ሃልሃልታ ሓዊ ዝገብር፥
ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነንሕድሕዶም ከዓ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፤ ብኽልተ ኽንፎም ገፆም ይሽፍኑ ነበሩ፤ ብኽልተ ኽንፎም ድማ ኣእጋሮም ይሽፍኑ፤ ብኽልተ ኽንፎምውን ይበሩ ነበሩ።
ውሕጅ ሓዊ ኻብ ቅድሚኡ ይውሕዝ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፤ እልፍ ኣእላፋት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ፤ ፍርዲ ተጀመረ፤ መፃሕፍትውን ተገለፁ።
እቲ መልኣኽ ከዓ፥ “እዚኣቶም ካብ ዝቘምዎም፥ ካብ ቅድሚ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ዝወፁ፥ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም።”
ኵላቶም መላእኽቲ፥ ንኣገልግሎት እቶም ክድሕኑ ዘለዎም ዝለኣኹ፥ ናይ ኣገልግሎት መናፍስቲዶ ኣይኮኑን?