6 መሊሱ፥ ነቲ በዅሪ ወዱ ናብ ዓለም ክልእኾ እንተሎ፥ “ኵላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሄር ይስገዱሉ” ይብል።
ኵሎም ንዝተቐረፀ ምስልታት ዝሰግዱን፥ ብጣዖታቶም ዝምክሑን ይሕፈሩ፤ ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ።
ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
“ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።
ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም፥ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም።
“ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፥ ንመፃርርቱ ሕነ ኽፈዲ፥ ንምድሩ፥ ንህዝቡ ኽዕረቕ እዩ እሞ፥ ኣቱም ህዝብታት፥ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።”
ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሄር ኣምሳልን፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ።
ንሱ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ርእሲ እዩ፤ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውን፥ ንሱ መጀመርታ፥ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።
ካብ መላእኽቱ፥ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” ከምኡ ኸዓ “ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱውን ውሉድ ክኾነኒ እዩ” ዝበሎ ንመን እዩ?
ስለዙይ ክርስቶስ ናብ ዓለም ክመፅእ እንተሎ ኸምዙይ በለ፦ “መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን፤ እንተ ኾነ ስጋ ኣዳሎኻለይ።
ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።
እግዚኣብሄር፥ ብወዱ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፥ በዙይ እዩ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልና ዝተገልፀ።