5 ካብ መላእኽቱ፥ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” ከምኡ ኸዓ “ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱውን ውሉድ ክኾነኒ እዩ” ዝበሎ ንመን እዩ?
ኣነ ኣቦ ክኾኖ፥ ንሱ ድማ ወሉድ ክኾነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸዓ ኸምቲ ሰብ ዝቐፅዐሉ ጨንገርን ደቂ ሰብ ብዝቐፅዑሉን ክግስፆ እየ።
ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ድማ ውሉድ ክኾነኒ እዩ። ከምቲ ቕድሜኻ ነጊሱ ንዝነበረ ሳኦል ዝገበርክዎ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ።
ንሱ ንስመይ ቤተ መቕደስ ክሰርሐለይ እዩ። ንሱ ውሉድ ክኾነኒ እዩ፤ ኣነ ድማ ኣቦኡ ክኾኖ እየ። ዙፋን መንግስቱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።’
ከምዙይ ከዓ በለኒ፦ ‘ንወድኻ ሰሎሞን ውሉድ ክኾነኒ ሓርየዮ እየ፤ ኣነውን ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ቤተይን ኣፀዳተይን ክሰርሕ እዩ።
“ትእዛዛቱውን እናገር ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር በለኒ፦ ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።
ኣብ ካልኣይ መዝሙረ ዳዊት፦ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ እግዚኣብሄር ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝትስእ ብምግባር፥ ኣባና ኣብ ደቆም፥ ነዝ ተስፋ እዙይ ፈፀሞ።
ክርስቶስውን ሊቀ ካህናት ንምዃን ንባዕሉ ኣየኽበረን። ግና እግዚኣብሄር፥ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” በሎ እምበር።