4 እቲ ዝወረሶ ስም፥ ካብ ስም መላእኽቲ የመና ኸም ዝዓቢ፥ ወልድ ኸዓ ኻብ መላእኽቲ የመና ይዓቢ እዩ።
ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለምውን፥ ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ስልጣንን ሓይልን ምልክን ሸይሙ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፅዋዕ ስም ሃቦ።
ንሱ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ርእሲ እዩ፤ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውን፥ ንሱ መጀመርታ፥ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።
ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ብእኡ ምሉኣት ኴንኩም ኢኹም።
ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስቶም ሓያላት መላእኽቱ፥ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመፅእ፥ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ግና፥ ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ።
ፅድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅውን ፀላእኻ፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ” ይብል።
ኤሳው ፀኒሑ ነታ በረኸት ክወርስ እኳ እንተ ደለያ፥ ኣይተውሃቦን፤ ብንብዓትውን እንተ ደለያ፥ ንንስሃ ዝኸውን ጊዜ ኸም ዘይረኸበ ትፈልጡ ኢኹም።
ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።
ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።