1 እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብብዙሕ ዓይነትን ብብዙሕ መንገድን፥ ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና ተናጊርዎም ነይሩ፤
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ሰብ ስጋ እዩ እሞ፥ መንፈሰይ ንሓዋሩ ኣብኡ ኣይነብርን፤ ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን” በለ።
ብድሕሪዙይ ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ዝለበሰ ኸፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፥ ኣረጋውያንኩም ሕልሚ ኽሓልሙ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ እዮም።
ምስ ኣቦታትና ምሕረት ክገብር፥ ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ዘከሮ።
ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ መፃሕፍቲ ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን እናጠቐሰ፥ ክገልፀሎም ጀመረ።
ንሱ ድማ “እዙይ እቲ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን መዝሙርን፥ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ኽፍፀም ግድን እዩ ኢለ፥ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይ እዩ” በሎም።
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።
ስለዙይ ሙሴ ግርዘት ሰርዐልኩም፤ እዙይ ድማ ኻብ ኣቦታት እዩ እምበር፥ ካብ ሙሴ ኣይነበረን፤ ንሰብውን ብሰንበት ትገርዝዎ።
ንሕናስ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸም ዝተናገሮ ንፈልጥ ኢና፤ እዝ ሰብ እዙይ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን ኢና” በልዎ።
“ንሕና ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ነቦታትና ኣተስፍይዎም ዝነበረ፥ ነብስረኩም ኣለና።
ንሱ ነቢይ ስለ ዝነበረ፥ እግዚኣብሄር ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዙፋኑ ኸቐምጥ፥ ማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ይፈልጥ ነበረ።
መዓልቲ ምስተቛፀሩ ድማ፥ ብዙሓት ኮይኖም ናብታ ዝነብረላ ዝነበረ ገዛ መፁ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት፥ ካብ ሕጊ ሙሴን መፃሕፍቲ ነቢያትን፥ ብዛዕባ ኢየሱስ እናረድአ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናመስከረ ገለፀሎም።
ከምቲ ዝተነግረኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመፅእ፥ ሰማይ ንእኡ ኽቕበሎ ይግባእ እዩ።
ነቶም ዓበይቲ እውን፥ በዙይ እዩ ዝተመስከረሎምሞ።
እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?
ነቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቓል፥ ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ኻብ ኮነ፥ ኵሉ ዝብድልን ዘይእዘዝንውን፥ ፍርዱ ዝቕበል ካብ ኮነ፥
ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድሕነት ሸለል ክንብል እንተለና፥ ከመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድሕነት፥ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊፁልና እዩ።
ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ።
ኢያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዝኸውንስ፥ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።
ክርስቶስውን ሊቀ ካህናት ንምዃን ንባዕሉ ኣየኽበረን። ግና እግዚኣብሄር፥ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” በሎ እምበር።
ሙሴ ድማ፥ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፥ ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ሓዊሱ፥ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን፥ ብቘፅሊ ስምዕዛን ገይሩ፥ “እግዚኣብሄር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም፥ ብደም ዝተሰርዐ ኺዳን እዙይ እዩ” እናበለ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቶም ህዝብን ነፀገሎም።